Home ዜና መንግስቲ መሃያ ሰራሕተኛታት መንግስትን ኣበል ጥሮተኛታትን ክኽፈል ማሕበር ሙሁራን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ...

መንግስቲ መሃያ ሰራሕተኛታት መንግስትን ኣበል ጥሮተኛታትን ክኽፈል ማሕበር ሙሁራን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ትግራይ ፀዊዑ።

499
0

እት ማሕበር ንቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር፣ ቤት ፅሕፈት ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፣ ንቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ፌደራልን ቤት ምኽሪ ፌደሬሽንን ኣብ ዝፀሓፎ ዕላዊ ደብዳቤ ከምዝገለፆ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ኣብ ሕልፈት ሂወት ሰባት ካብ ዘስዖቦ ጉድኣት ብተወሳኺ ንተፈጥራዊ ሃፍቲ ሓዊሱ ትግራይ ዘዐወተቶም ሽቶታት መሰረተ ልምዓት እዚ ምእተ ዓመት ከምዘይነበረ ብምግባር ትግራይ ናብ መበል 20 ክፍለዘበን ክትምለስ ዝገበረ እዩ።

ብመሰረት ውዕሊ ፕሪቶርያ ብውሕዱ ኣብ ብርክት ዝበሉ ከባብታት ትግራይ ኩናት ከይህሉን ድምፂ ጥይት ዘይስምዐሉ ኩነታት ክፍጠርን ኦኳ እንተኽኣለ ሕዝውን ወረርቲ ሓይልታት ኤርትራን ዕጡቃት ኣምሓራን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ግፍዒ ይፍፅሙ ከምዘለው ህዝቢ ዓለም ዝፈልጦ ሓቂ እዩ ዝበለ ማሕበር ሙሁራን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ትግራይ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ብሙሉእነት ብዘይ ምትግባሩ ሕዝውን ኣብ ልዕል ህዝብና ግፍዓዊ ተግባራት ዝቕፅል ዘሎ ምኳኑ ማሕበረሰብ ዓለም ዝፈልጦ ሓቂ እዩ ኢሉ።

ድምፂ ጥይት ኣብ ዘይስመዐሉ ከባብታት እውን እንተኾነ ሞትን ስቃይን ህዝብና ይጋደድ ኣሎ ዝበለ እቲ ማሕበር እዚ ዝኾነሉ ዘሎ ምኽንያት ድማ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ብዝተማልአ መንገዲ ተግባራዊ ብዘይምኻኑ እዩ መግለፅታቱ ድማ መሃያ ሰራሕተኛት መንግስቲ ዘይምኽፋሉ፣ ብጡሮታ ዝመሓደሩ ጥሮትኦም ብምኽልካሎም፣ ማሕበራውን ቁጠባውን ግልጋሎት ክህቡ ዝግብኦም ትካላት ግልጋሎት ክህቡ ብዘይምኽኣሎም ካልኦት ዝመሳሰሉን ምጥቃስ ይከኣል ኢሉ።

ሰራሕተኛታት መንግስቲ ክኽፈሎም ዝግባእ መሃያ ሰለዘይተኸፈሎም ክራይ ገዛ ክኸፍሉ ኣይከኣሉን በዚ ድማ ምስ ስድርኦም ኣብ ጎደና ክሓድሩ ይግደዱ ኣለው፣ ዝበልዕዎን ዝሰትይዎን ስኢኖም ብጥምየት ይሳቐዩ ኣለው፣ ንሕልፈት ዝተሳጥሑውን ብዙሓት እዮም፣ ደቆም ደፍተርን እስክርቢቶን ገዚኦም ክመሃሩ ምግባር ዘይሕሰብ ኮይኑ ኣሎ፣ ባዕሎም ኮኑ ኣባል ስድርኦም እንሓሙ ዝሕከምሉ ዕድል ዕፅው ኮይኑ ኣሎ እዚ ዝኸውን ዘሎ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ-ትግራይ ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘበን እሞ ድማ ውዕሊ ፕሪቶርያ ካብ ዝፍረም ሸውዓተ ወርሑ ኣብ ዘቑፀረሉ እዋን እዩ ኢሉ እቲ ማሕበር ኣብ ዝፀሓፎ ደብዳቤ።

ውዕሊ ፕሪቶርያ ሰባት ካብ ሞት፣ ስደት ገልታዕታዕን ምምዝባልን ንምድሓን እዩ ዝበለ እቲ ማሕበር ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው እቲ ስምምዕነት ብዝተማልአ መልክዑ ብምትግባር ዝተመዛበሉ ዜጋታት ናብ መረበቶም ክምለሱ ክሳብ ሐዚ መሃያ ዘይተኸፈሉ ሰራሕተኛታት መንግስቲ መሃያ፣ ጥቕማጥቕምን ካሕሳን ክኽፈሎምን ብቀፃልነት እውን እዚኦም ከይተቆረፁን ከይተቆራረፁን ክኽፈሎም ፀዊዑ።

#ብሃይለሚኪኤል ገሰሰ

Previous articleህፃናት ትግራይ ትምህርቲ ዝረኽብሉ ዕድል ንምፍጣር ኩሉ ክፋል ሕብረተሰብ ክረባረብ ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ ወረዳ ቆላ ተምቤን ፀዊዑ።
Next articleኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ዝርከቡ ተጋሩን ፈተዉቲ ተጋሩን ፀገም ህዝቢ ትግራይ ብዘላቕነት ንከብቅዕ ርብርብ ክግበር ዝፅውዕ ሰልፊ ኣብ ምስላጥ ይርከቡ።