መቐለ፥ መስከረም 22/2018 ዓ.ም. (ቴሌቪዥን ትግራይ)
ቤት ምኽሪ ከተማ መቐለ ሓፈሻዊ በጀት ከተማ መቐለ 2018 ዓ.ም 9 ነጥቢ 4 ቢሊዮን ብር ገይሩ ኣፅዲቑ። ካብዚ ድማ እቲ 5 ነጥቢ 4 ቢሊዮን ብር ካፒታል በጀት ምዃኑ ተሓቢሩ።
ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ በጀትን ኦዲትን ቤት ምኽሪ ከተማ መቐለ ኣይተ ሓዱሽ ብርሃነ እቲ ተታሒዙ ዘሎ በጀት 1 ነጥቢ 74 ቢሊዮን ካብ ክልል ብዝርከብ ድጎማ፣ 6 ነጥቢ 7 ቢሊዮን ካብ ቤት ማዘጋጃ ከተማ መቐለ ዝርከብ እቶት፣ 3 ነጥቢ 6 ሚሊዮን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ጥቕሚ ዘይወዓለ ካብ (UIIDP) ካልኦት ፍልፍላትን ዝእከብ ምዃኑ ገሊፆም።
ካብዚ ድማ ንመሃያ ከተማ 146 ሚሊዮን፣ መካየዲ ስራሕ 165 ሚሊዮን፣ ንፅገና መሰረተ ልምዓት 409 ሚሊዮን፣ ንመሐለውታ ዝውዕል 95 ሚሊዮን ንኻልኦት ስራሕቲ ህዝብን መንግስትን ዝውዕል ምዃኑ ተገሊፁ።
ነቲ በጀት መሰረት ገይሮም ርኢቶኦም ዝሃቡ ኣባላት ቤት ምኽሪ ከተማ መቐለ እቲ ተታሒዙ ዘሎ በጀት ህዝቢ ኣብ ዝረብሑ ስራሕቲ ክውዕል ናይ ኩሉ ፃዕሪ ከም ዝሓትት ገሊፆም።
ንዝሓለፉ ክልተ ዕለታት ክሳለጥ ዝፀንሐ 4ይ ዘመን መበል 37 ጉባኤ ቤት ምኽሪ ከተማ መቐለ ብቐፃልነት ኣብ ጉዳይ ትእምት መግለፂ ቅዋም ብምውፃእ ጉባኤኡ ዛዚሙ።