Home ማሕበራዊ ሕሱም ድርቂ ምብራቕ ኣፍሪካ

ሕሱም ድርቂ ምብራቕ ኣፍሪካ

678
0

ኣሜሪካ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ንዘጋጠመ ከቢድ ድርቂ 105 ሚልዮን ዶላር ከምዝመደበት ኣፍሊጣ፡፡

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ብታሪክ እቲ ዝኸበደ ድርቂ ኣጋጢሙ ከምዘሎን ንቐፃሊ ዝኸፈአ ከምዝኸውንን ድማ ተገሚቱ ኣሎ፡፡

ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ ልዕሊ 16 ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ዝኸፍአ ብርኪ ጥሜት ከምዘሎን ኣብ ቀፃሊ ኣዋርሕ እዚ ቁፅሪ ናብ 20 ሚልዮን ከምዝዓቢ ተተምብዩ ኣሎ፡፡

ኣሜሪካ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ኣብዚ ዓመት ጥራሕ ልዕሊ 500 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ብምሃብ ብሕታዊት ሃገር ኮይና ኣላ፡፡

ዝተፈላለዩ ትካላት ሰብኣዊ ዓለም ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ተፈጢሩ ንዘሎ ከቢድ ጥምየትን ድርቅን ድጋፎም ከሐይሉ እውን ፃውዒት ቐሪቡ ከም ፀብፃብ ዩኤስ ኤይድ፡፡

ብመሰረት እዚይ እቲ ትካል  ንሓገዝ ድርቂ ዝውዕል 105 ሚልዮን ዶላር ከምዝመደበ ተፈሊጡ፡፡

እዚ ደገፍ ንቐፃሊ ካብ ጥረ ገንዘብ ወፃኢ ዓይነታት ምግብን መድሓኒትን ከምዝውሰኽ ድማ ተሓቢሩ፡፡

ብጥዑም ኣለሙ

Previous article2 ነጥቢ 5 ሚልዮን ህዝቢ ዝተመዛበላ ትግራይ
Next articleሎሬት ሕርሻ ዓለም ፕሮፌሰር ምትኩ ሃይለ