ኣብ ዘተ ተኹሲ ደው ምባል ሱዳን፤ ቱርኪን ኳታርን ኣሸማገልቲ ክኾና ከም ዝሓረየት ሱዳን ኣፍሊጣ፡፡
ኣብ ሃገራ ዘሎ ኲናት ሕድሕድ ንምፍታሕ፤ ብኣሜሪካ ዝቐረበ ፃውዒት ዘተ ሰላም ብመርህ ደረጃ ከም እትቕበል ዘፍለጠት ሱዳን፤ ሕቡራት ዒማራት ዓረብ ከም ኣሸማጋሊት ከምዘይትቕበል ገሊፃ።
ኣምባሳደር ሱዳን ኣብ ኢንዶነዥያ ያሲር መሓመድ ዓሊ ኣብ ጃካርታ ምስ ዝርከብ ሚዲያ ኣንታራ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት ከም ዘረጋገፅዎ፤ ሃገሮም ንዘተ ሰላም ቅርብቲ እኳ እንተኾነት ብጉዳይ ኣሸማገልቲ ግን ከም ዘይትስማዕማዕ ኣብሪሆም፡፡
ሱዕዲ ዓረብ፣ ግብፂን ሕቡራት ዒማራት ዓረብን መንጎኛታት ኮይነን ከሸማግላ ብኣሜሪካ ተሓርየን ምንባረን ዘዘኻኸሩ እቶም ኣምባሳደር፤ ንዕጡቓት ሓምዳን ዳጋሎ ግልፂ ዝኾነ ሓገዝ ከም እትገብር ዝተረጋገፀ ሕቡራት ዒመራት ዓረብ ብመንግስቲ ሱዳን ቅቡልነት ከም ዘይብላ ኣፍሊጦም፡፡
ግብፅን ሱዑዲ ዓረብን ምስ መንግስቲ ሱዳን ዘለወን ዝምድና ፅቡቕ ምዃኑን ቅቡል ከም ዝገብርወን ዘፍለጡ ኣምባሳደር ያሲር መሓመድ ዓሊ፤ ኣብ ክንዲ ዒመራት ዓረብ ቱርኪን ኳታርን ኣሸማገልቲ ክኾና ብመንግስቶም ከም ዝተሓረያ ምዝራቦም ሚዲያ ኣንታራ ፀብፂቡ፡፡
#ገ/ሄር_ሃይሉ



