Home ዜና መልእኽቲ ፕረዝዳንት መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል

መልእኽቲ ፕረዝዳንት መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል

1015
0

ኣብ ልዕሊ ሲቪላት ወገናት ዝካየድ ናይ ኣየር ደብዳብ፥ ውድቀት ናይ ፀላእትና ዘቀላጥፍ’ዩ!

ፀላእትና፣ መቐፀልታ ናይቲ ዝሃንደስዎ ናይ ፅንተት ፕሮጀክት፣ ህዝቢ ትግራይ ብጥምየት ክዳኸም ክገብሩ ድሕሪ ምፅናሕ፣ ሕዚ ብዂናት ክንውድኦ ንኽእል ኢና ብምባል ወራር ጀሚሮም ኣለው።


ህዝባዊ ሰራዊት ትግራይ ንፀላእትና ብጅግንነት ኣብዝምክተሉ ዘሎ እዋን፣ ኣብ ልዕሊ ሲቪላት ወገናትና ብሓይሊ ኣየር ጃምላዊ ህልቂት ከምዝፍፅሙ ዕላዊ ገይሮም እዮም። ብመሰረት ዘውፅኡዎ ትልሚ ድማ ሎሚ ዕለት 20 ነሓሰ 2014 ዓ/ም ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ሓደ ማእኸል መዘናግዒ ህፃናት ብዘካየዱዎ ደብዳብ ኣብ ልዕሊ ሲቪላት ወገናትና ብዙሕ ህልቂት ኣብፂሖም ኣለዉ። ትማሊ እውን ብተመሳሳሊ ኣብ ከባቢ መኾኒ ደብዲቦም እዮም።


ይኹን’ምበር እዚ ብፋሽሽታውያን ዝካየድ ዘሎ ናይ ቀቢፀ ተስፋ ግፍዕታት፣ ቃልስና ዝያዳ ክነሕይል፣ ውደቀቶም ከኣ ክሳለጥ ካብ ምግባር ሓሊፉ ኣብ መሬት ንዘሎ ስዕረቶም ክልውጦ ኣይኽእልን። ህዝብና እውን ባህሪን ተግባርን እዞም ፋሽሽታውያን ኣብ ግምት ብምእታው ግቡእ ጥንቃቐታት ክገብር የዘኻኽር።

ሃለዋትናን ድሕንነትናን ብቕልፅምና!

ትግራይ ትስዕር!

Previous articleሰበር ዜና – ደብዳብ ነፋሪት ኣብ ከተማ መቐለ
Next articleስሑት ስልሒት ኲናት ኣብይ ኣሕመድ