Home ቢዝነስ መስፍን ፀገማት ትግራይ ኣብ ዝፈትሑ ስራሕቲ ትዅረት ክገብር ፕረዚዳንት ታደሰ ወረደ ኣገንዚቦም።

መስፍን ፀገማት ትግራይ ኣብ ዝፈትሑ ስራሕቲ ትዅረት ክገብር ፕረዚዳንት ታደሰ ወረደ ኣገንዚቦም።

45

መቐለ፥ መስከረም 22/2018 ዓ.ም. (ቴሌቪዥን ትግራይ)

ፕረዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ነዙይ ዝበሉ ኣብ መድረኽ ዕላውነት ሓዱሽ ዕላመት (ብራንዲንግ) መስፍን ሓፂነ መፂን ኢንጅነሪንግ (Mesfin Metals & Engineering (MESFIN)) እዩ።

ኣብ ትግራይ እቲ ብጣዕሚ ጠንካራ ዝበሃል ብራንድ መስፍን እዩ፤ እዚ ብራንድ እዙይ ሒዝኩም ብምምፃእኹም ምስጋና ይግበአኩም ኢሎም።

እቲ ብራንድን ውፅኢትን ብሓባር ኣጣሚሩ ብምኻድ ጠንካራ ተወዳዳሪ ክኸውን ከምዘለዎ ኣረዲኦም። መስፍን ኣብ ሓደ እዋን ታሪኽ ክንሰርሕ ኢና ዝብል ትልሚ ኣለዎ ዝበሉ ፕረዚዳንት ታደሰ፥ እቲ ታሪኽ ኣብ ቀረባ እዋን ክኸውን ኣተሓሳሲቦም።

ብፍላይ ኣብ ትግራይ መስፍን ሒዝካ ብማሕረሻን ነዊትን ምሕራስ መሰከፊ እዩ፤ ስለ ዝኾነ ፀገማት ትግራይ ኣብ ዝፈትሑ ትዅረት ክግበር ድማ ፀዊዖም።

#ይብራህ_እምባየ