Home ዓለምለኻዊ ዜና መዕርፎ ነፈርቲ ካርቱም ኣብ ድሮ ምጅማር በረራ መጥቃዕቲ ድሮን ተፈፂምዎ።

መዕርፎ ነፈርቲ ካርቱም ኣብ ድሮ ምጅማር በረራ መጥቃዕቲ ድሮን ተፈፂምዎ።

67

መቐለ፥ጥቅምቲ 11/2018 ዓ.ም. (ቴሌቭዥን ትግራይ)

ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ካብ ስራሕ ወፃኢ ኮይኑ ዝፀንሐ መዕርፎ ነፈርቲ ካርቱም ፤ ዳግማይ ዘቤታዊ በረራታት ክጅምር ሒደት ሰዓታት ኣብ ዝተረፈሉ፡ መጥቃዕቲ ድሮን ከም ዝተፈፀሞ ማዕከናት ዜና ሱዳን ገሊፀን።

ሱዳን ትሪቡን ንሓደ ኣባል ፀጥታ ሱዳን ጠቒሱ ፡ ሰዓት 10 :00 ኣጋ ወጋሕታ ፀረ-ነፈርቲ ሰራዊት ሱዳን ንቡዙሓት ድሮናት እኳ እንተ ዓገቱ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈፀመሉ ኣረጋጊፁ። ንመጠን ሳዕቤኑ ዝምልከት ግን ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን።

ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ መሰኻኽር ዓይኒ፡ ድምፂ ድሮን ምስምዖም ስዒቡ ካብ ፀረ-ነፈርቲ ዝትኰስ ሓዊ ከም ዝርኣዩን ፍንጀራ ከም ዝሰምዑን ሓቢሮም። ኣብ ውሽጢ ቀፅሪ ናይቲ መዓርፎ ነፈርቲ ድማ ዝተጐለለ ዒግታ ትኪ ከም ዝተራእየ ገሊፆም ክብል ቢቢሲ ፀብፂቡ።

ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ድሮን ሰራዊት ሱዳን ይዅን ዳዕመ-ሰሪዕ ዛጊድ ዝሃቡዎ ግብረ-መልሲ የለን።

ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሓይሊ ምክልኻል ሱዳን ንኣብዝሓ ከባብታት ሱዳን ንምቁፅፃሩ ስዒቡ : ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ሓዱሽ ቀዳማይ ሚኒስቴር መዚዙ ነታ ሃገር ንምርግጋእ ኣብ ዝሰርሐሉ እዋን : ዕጡቕ ሓይሊ ዳዕመ ሰሪዕ (RSF) ብዘካይዶም ተደጋገምቲ መጥቃዕቲታት ድሮን ሱዳን መሊኣ ክትረጋጋእ ከምዘይከኣለት ዝተፈላለዩ ማዕኸናት ዜና ዓለም የመላኽቱ።

ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ኣብ መንጎ ሰራዊት ምክልኻል ሱዳንን ዕጡቕ ሓይሊ ዳዕመ ሰሪዕን ዝተኻየደ ሕድ ሕድ ኲናት ፤ ካብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ናብ ሱዳን ንዝተሰደዱ ተጋሩ እውን ስግኣት ደሕንነት ከምዝኾኖም ዝፍለጥ እዩ።