Home ማሕበራዊ ምስሳን መፍረያይነት

ምስሳን መፍረያይነት

967
0

———

ኣብ ከባቢና ዝርከቡ ፀጋታት ብምጥቓም ምህርቲ ሕርሻ ምስሳን ከም ዝከኣል ባህላዊ ድኹዒ ዘማዕበለት ተምሃሪት ቤቲ ኣብራሃም ገሊፃ፡፡   

ሰገን ቤቲ ኣብርሃም ተምሃሪት 6 ክፍሊ ማእኸል ትምህርትን ስልጠናን ቤት ትምህርቲ ኒኮላስ እያ። እታ ሰገን ፀላእቲ ብሰንኪ  ዘንበርዎ ዕፅዋን ክባን ፣ ሓረስታይ #ትግራይ ዘበናዊ እታወታት ሕርሻ ክረክብ ስለ ዘይክኣለ ፣ ፀገማት ሓረስቶት ንምፍታሕ፣ ኣብ ብከባብያዊ ዝርከቡ ፀጋታት ብምጥቓም፣ ንኣሕምልቲ ገደና ዝውዕል ባህላዊ ድኹዒ ኮምፖስት ከዳልው ክኢለ ትብል።

ኣብ ውሽጢ እቲ ናይ እንስሳት ድኹዒ ፣ ብዓይንና ክራኣዩ ዘይኽእሉ ደቐቕቲ ሓሳኹ ስለ ዘለው ፣ ኢድና ክነእትወሉ እንተለና ክሞቐና ስለ ዝኽእል ፣ ንተኸታታሊ 10 መዓልታት ማይ ብምርብራብ ክነጥፍኦም ይግባእ ክትብል ተምሃሪት ቤቲ ኣብራሃም ገሊፃ፡፡

እታ ሰገን እቲ ባህላዊ ድኹዒ  ካብ መሰሰናይነት ምህርቲ ሕርሻ ብተወሳኺ ንቐለብ ደርሁትን ዓሳን ከምዝጠቕም ድማ ሓቢራ።

ከባብያዊ ፀጋታትናን ፍልጠትናን ብምዕቓብ መፍረያይነት ልምዓት መስኖ ምዕባይን ዓርሰ ምርኮሳና ምርግጋፅን ከምዝከኣል ድማ ኣብ ስግግር ሕርሻ ትግራይ ዳይሬክተር ዳይሬክትሬት ኣፈፃፅማ ክትትል ፕሮጀክት ዶክተር ገ/መድህን ተ/ሃይማኖት ሓቢሮም።

ብመርሃዊ ተስፋይ

Previous articleሓገዝ ንፅጉማት ወገናት
Next articleመግለፂ  ውድብ ባይቶና