Home ዜና ምሽጥር ዓወት ህዝቢ ትግራይ

ምሽጥር ዓወት ህዝቢ ትግራይ

1080
0

ሙሁር ታሪኽ ሙሉወርቅ ኪዳነማርያም ህዝቢ ትግራይ ዘጋጥምዎ ብድሆታት ተፃዊሩ ወረርቲ ኩሉ ግዜ ዝምክት ንሓቅን ርትዕን ብፅንዓት ስለዝቃለስ እዩ ኢሎም፡፡ ፋሽሽታውያን ወረርቲ ትግራይን ህዝባን ንእሽተይን ብቐሊሉ ትጉበጥን እያ ኢሎም ዝወረርዋ ዋላ እኳ እንተኾኑ ዝተኸተልዎ ስልሒት ግጉይ ምዃኑ ግን ብዝግባእ የምህሮም ምህላዉ እቶም ሙሁር ታሪኽ ኣብሪሆም፡፡

ፋሽሽታውያን ወረርቲ ህዝቢ ትግራይ ክፀንት ብምግባር መሬትን ሃፍትን ትግራይ ንምጉባጥ ዘራያት ኣተኣኻኺቦም ተሃንዲዶም እኳ እንተመፁ ታሪኽ ወለዱ ክደግም ዝተሓረየ ወለዶ ሃለዋት ህዝቢ ትግራይ ካብ ምርግጋፅ ሓሊፉ ፀላእቲ ብዘተኣማምን መንገዲ ናብ ምምካት ተሰጋጊሩ ምህላዉ ምሁር ታሪኽ ሙሉወርቅ ኪዳነማርያም ገሊፆም፡፡

ኣልፋን ኦሜጋን ስነ ሓሳብ ህዝቢ ትግራይ ምርግጋፅ ህላወ ትግራይን ህዝባን ገይሩ ብሓደነት ቃልሱ ብምሕያሉ ወረርቲ ናይ ኢዶም ክረኽቡ ኣብ ዘኽእሎ ብርኪ በፂሑ ከምዝርከብ እቶም ምሁር ታሪኽ ወሲኾም ገሊፆም፡፡

ህዝቢ ትግራይ ዘጋጥምዎ ብድሆታት ተፃዊሩ ታሪኽ ወለዱ ንምቅፃል ንሓቅን ርትዕን ብምቅላስ ትግራይ ብደቃ ኩሉ ግዜ ክትኩላዕ ኣብ ምግባር ከምዝርከብ እቶም ምሁር ታሪኽ ኣብሪሆም፡፡ ፋሽሽታውያን ወረርቲ ውህሉል ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ ከይሓሰቡ ኣብ ቁፅራዊ ስልሒት ተፀሚዶም ጀኖሳይድ እንትፍፅሙ ዋጋ ክኸፍሉ ገይርዎም እዩ ዝበሉ እቶም ምሁር ታሪኽ ሕዚ እውን ፃለእቲ ካብ ጌገኦም እንድሕር ዘይተማሂሮም ዋጋ ከምዝኸፍሉ ኣረዲኦም፡፡

ህዝቢ ትግራይ ንምፅናት ዝሃቀኑ ወረርቲ ናይ ኢዶም ክረኽቡ ብምግባር ሃለዋትን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዘተኣማምን ብርኪ ንኽበፅሕ ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ ሙሁር ታሪኽ ሙሉወርቅ ኪዳነማርያም ሚዒዶም፡፡

ብገ/መስቀል ኪሮስ

Previous articleትግራይ ብኣንደበት ነብዩ መሓመድ
Next articleህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ