መቐለ፥ መስከረም 28/2018 ዓ.ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)
ምደባ ኣብ 2017 ዓ.ም. ተፈቲኖም ናብ ዩንቨርስቲ መእተዊ ውፅኢት ዝረኸቡ ተምሃሮ ዕላዊ ከምዝኾነ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣፍሊጡ።
ኣብ ናይ መንግስቲ ዩንቨርስቲታት ብምክፋል ወፃኢታት (Cost sharing) ንዝመሃሩ ተምሃሮ ዝወፀ ምደባ ኣብ ወግዓዊ ዌብሳይት https://student.ethernet.edu.et ምኒስትሪ ትምህርቲ ብምእታው ምርኣይ ከምዝከኣል ተሓቢሩ።
ምደባ ብመርሃ ግብሪ ሪሜድያል ዝመሃሩ ተምሃሮ ኣብ ቀረባ እዋን ዕላዊ ከምዝግበር እውን ተጠቒሱ።
ሚኒስትሪ ትምህርቲ ናብ ዩንቨርሲቲ መእተዊ ነጥቢ ካብ 50 ሚእታዊ ናብ 49.50 ሚእታዊ ክወርድ ምውሳኑ ይዝከር።