ሰብ ዋና ባንኪ ግእዝ ኣብ ዓለም ለኸ ባንኪ ኣንበሳ ሙሉእ መሰልን ከስቢን ክህልዎም ከምዝተወሰነ ኣመራርሓ ባንኪ ግእዝ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መብሪሂ ኣፍሊጦም።
ኣብ ከይዲ ምስረታ ዝፀንሐ ባንኪ ግእዝ፥ ብሔራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ንዘቐመጦ ረቑሓ ሓሙሽተ ቢልዮን ብር ዝተኸፈለ ካፒታል ከማልእ ብዘይምኽኣሉ ከይዲ ምስረትኡ ክቕፅል ከምዘይከኣለ ይፍለጥ።
እቶም ሰብ ዋና ንብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ዘቕረቡዎ ሕቶ ዝውውር ኣድላዪ ዝኾነ ምርመራን ምፅራይን ምስተገበረሉ ነሓሰ 19/2017 ዓ.ም. ክፍፀም ፍቓድ ረኺቡ።
ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ፥ ኦዲት ሪፖርት፣ መንነት ሰብ ዋናን መጠን ኣብ ሕድ ሕድ ባንኪ ዘሎ ገንዘብን ሕጋውነት ብዘለዎ መገዲ ብምፅራይ ነቲ ዝውውር ሕጋውነት ከምዘላበሶን ናይ ልዕሊ12 ሽሕ ሰብ ኣክስዮን ልዕሊ 643 ሚሊዮን ብር ናብ ዓለም ለኸ ባንኪ ኣንበሳ ኣታዊ ከምዝተገበረን ኣቦ መንበር ባንኪ ግእዝ ኣይተ ኣብርሃ ገብርዋህድ ተዛሪቦም።
ሰብ ዋና ባንኪ ግእዝ ኣብ ዓለም ለኸ ባንኪ ኣንበሳ ከምቲ ካሊእ ሰራሕተኛ ሙሉእ መሰል ከምዝህልዎምን ባንኪ ኣንበሳ ሕጋዊ ኣፍልጦ ካብ ዝረኸበሉ ጊዜ ጀሚሩ ተኻፈልቲ ትርፊ ከምዝኾኑን ኣይተ ኣብርሃ ኣረዲኦም።
ኣብ ባንኪ ግእዝ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ኣብ ዓለም ለኸ ባንኪ ኣንበሳ ቀወምቲ ሰራሕተኛታት ኮይኖም ከምዝተቖፀሩ እውን ኣረዲኦም።
ሓፈሻዊ ንብረት ባንኪ ግእዝ ናብ ባንኪ ኣንበሳ ርኽክብ ከምዝካየድን ግእዝ ዝብል መፀውዒ ምስ ባንኪ ኣንበሳ ብናይ ሓባር ዕላመት (ሪብራንዲንግ) ከምዝካየድን ኣይተ ኣብርሃ ገሊፆም።



