Home ዜና ቅድመ ኩነት ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ኢትዮጵያ

ቅድመ ኩነት ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ኢትዮጵያ

868
0

ርክብ ኣውሮፓን ኢትዮጵያን ናብ ንቡር ንክምለስ ሕብረት ኣውሮፓ ዘንበሮም ቅድመ ኩነት ክፍፀሙ ሓላፊ ጉዳያት ወፃኢ ሕብረት ኣውሮፓ ጆሴፍ ቦረል ኣተሓሳሲቦም፡፡

ካውንስል ጉዳያት ወፃኢ ሕብረት ኣውሮፓ፤ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ቅሉዕ ወራር ካብ ዝእወጅ ጀሚሩ ኲናት ደው ክብል፣ ዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ ክመሓላለፍ፣ ወራሪ ሰራዊት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ካብ ግዝኣታት ትግራይ ክወፅእ፣ ኣብ ትግራይ ዝተቛረፁ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ክምለሱን ፍልልያት ብሰላማዊ ዘተ መዕለቢ ክረኽቡን ተደጋጋሚ ፃውዒት ክገብር ምፅንሑ ዝገለፁ ጆሴፍ ቦረል፤ ዋላ እኳ ካብ ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ ውሱን ሰብኣዊ ሓገዝ ምሕላፍ እንተጀመረ፤ ሕብረት ኣውሮፓ ዘቕረቦ ጠለብ መልሲ ከም ዘይረኸበን እዙይ ድማ ምስ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ዝህሉ ዝምድና ናብ ንቡር ዝምልስ ዘይምዃኑን ዕላዊ ጌሮም፡፡

ናብ ትግራይ ዝሓልፍ ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝ እኹል ዘይምዃኑን ኩነታት ናብ ንቡር ክምለስ ዝግበር ዘሎ ፃዕሪ ድኹም ምዃኑ ዝገለፁ እቶም ሓላፊ፤ እቲ ሕብረት መዲብዎ ዝነበረ ሓገዝ በጀት ደው ከም ዘበለን፤ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዘለዎ ሓልዮት ንምግላፅ ግን 80 ሚልዮን ዩሮ ንማሕበራዊ ኣገልግሎት ምምዳቡ ኣዘኻኺሮም፡፡

ኣብ ትግራይ መሰረታዊ ግልጋሎታት ናብ ንቡር ምምላስ፣ ነፃ ምንቅስቓስ ሰባትን ሸቐጣትን ብፍፁም ክቋረፁ ዘይግበኦምን ከም ቅድመ ኩነት ዘይረኣዩን ምዃኖም ዝገለፁ ጆሴፍ ቦረል፤ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ኣቋሪፅዎም ዘሎ ኣገልግሎታት ብህፁፅ ናብ ንቡር ብምምላስ ግዴትኡ ክፍፅም ኣባላት ሕብረት ኣውሮፓ ከም ዝተስማዕማዓሉ ጠቒሶም፡፡

ኮሚሽነር ሰብኣዊ ቅልውላው ኣውሮፓ ጃኔዝ ሌናርቺች ኣብ ወርሒ ሰነ ኣብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ዝገበርዎ ዑደት ግልፂ ዝኾነ መርገፂ ወሲዶም መግለፂ ምሃቦም ዝጠቐሱ ሓላፊ ጉዳያት ወፃኢ ኣውሮፓ ጆሴፍ ቦሮል፤ መሰረታዊ ግልጋሎታት ናብ ንቡር ምምላስን ነፃ ምንቅስቓስ ሰባትን ሸቐጣትን ጉዳይ ፖለቲካ ዘይኮኑስ ጉዳይ ህይወት ምድሓን ምዃኖም ተረዲኡ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ብቕልጡፍ ክፈትሖም ይግባእ ኢሎም፡፡

ምኽፋት ኩሎም ግልጋሎታትን ነፃ ምንቅስቓስ ሸቐጣትን፤ ዝኾነ ኣካል ከም መስርሕ ፖለቲካ ክጥቀመሎም መነወሪ ምዃኑ ዝጠቐሱ ጆሴፍ ቦሮል፤ ፍሉያት ልኡኻት ሕብረት ኣውሮፓ፣ ኣሜሪካን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣብ ወርሒ ነሓሰ ናብ መቐለ ኣብ ዝኸድሉ እዋን ኲናት ደው ኢሉ እኳ እንተፀንሖም፤ ኲናት ፅንተት ይቕፅል ምህላዉ ከም ዘረጋገፁ ኣብሪሆም፡፡

ኲናት ትግራይ ብሰላም ንምውዳእ ኣዝዩ ፀቢብ ዕድል ምትራፋ ዝሓበሩ ሓላፊ ጉዳያት ወፃኢ ኣውሮፓ ጆሴፍ ቦሮል፤ እታ ዕድል ንምጥቃም ድማ ዝተቛረፁ ግልጋሎታት ብምኽፋት፣ ነፃ ምንቅስቓስ ሸቐጣት ብምፍቃድ፣ ዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ ብምቕራብን ክትጅመር ይግባእ ክብሉ ምዒዶም፡፡

ብሕጂ ክህሉ ዝኽእል ኲናት ኣብ ዕድል ኢትዮጵያ ዘነፃፀረ ምዃኑን ኣብ ትግራይ ተጀሚሩ መላእ ቀርኒ ኣፍሪካ ተባፂሑ ዘሎ ጎንፂታት ምልክት ምዃኑ ዘዘኻኸሩ እቶም ሓላፊ፤ አልሸባብ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝኸፈቶ ኲናት እኹል ምልክት ምዃኑን፤ ነዚ ድማ ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ ጠንካራ መሪሕነት ክፍጠር ከም ዝግባእ ምዒዶም፡፡

ብገ/ሄር ሃይሉ

Previous articleፋሽስቱ የአብይ ቡድን አልሸባብን ለመከላከል በሚል ምክንያት ሠራዊቱን ወደ ጎረቤት አገር ሶማሊያ ማሰማራቱ ታወቀ።
Next articleምምላስ ቅርስታት ኦርተዶክስ ተዋህዶ ትግራይ