Home ኣሸንዳ 2017 በዓል ኣሸንዳ እንታይ ክብርታት ኣለዉዎ? ብከመይ ከ ንዓቅቦም?

በዓል ኣሸንዳ እንታይ ክብርታት ኣለዉዎ? ብከመይ ከ ንዓቅቦም?

340

መቐለ፥ ነሓሰ 13/2017 ዓ.ም. (ቴሌቪዥን ትግራይ)

“መፀት መፀት ኣሸንዳ ዕምበብ መፀት” እዚ ካብ ህዝቢ ዝፈለቐ ደቂ ኣሸንዳ ወርሒ ነሓሰ ካብ ዝኣትው ጀሚረን ዘዚምኦ ዝውቱር ዜማ እዩ። መዓልትታት፣ ሰሙናትን ኣዋርሕን ሓሊፎም ድማ እንሆ በዓል ኣሸንዳ 2017 ዓ.ም ንምኽባር ኣብ ምድላው ንርከብ። ንምዃኑ በዓል ኣሸንዳ እንታይ እዩ? እንታይ እንታይ ክብርታትን ትሕዝቶታትን ኣለዉዎ? ክንድህስሶ ኢና።

በዓል ኣሸንዳ ደቂ ኣንስትዮ ብጉጅለታት እናተኣኻኸባ ዘኽብርኦ ባህላውን ሃይማኖታውን በዓል እዩ። ከከም ከባቢኡ ካብ 3 መዓልቲ ክሳብ ሓደ ሰሙን ብዝተፌላለዩ ምድላዋት ይኽበር። ደቂ ኣሸንዳ ኣብ መዓንጠአን ኣሸንዳ ዝበሃል ሳዕሪ ዓጢቐን ዝፃወታ እንትኾና፥ እቲ በዓል ስያሜኡ ካብቲ ሳዕሪ ከም ዝረኸበ መፅናዕትታት ይሕብሩ።

እቲ ክብረ በዓል ዝጅምረሉ መዓልቲ ነሓሰ 16 ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዝዓረገትሉ ዕለት ከም ዝሕብርን፣ ኣሸንዳ ካብ መበቆሉ ብደናግል ኣዋልድ ዝኽበረሉ ምኽንያት ድማ ብተምሳሌት ቅድስቲ ድንግል ማርያም እዩ ይብል ሃይማኖታዊ ትሕዝቶ በዓል ኣሸንዳ።

በዓል ኣሸንዳ ንምኽባር ኣዋልድ ክረምቲ ካብ ምእታዉ ጀሚረን ብስነ ልቦናን ናውትን ክዳለዋ ፀኒሐን ልክዕ እቲ በዓል እንትበፅሕ ድማ ዘለወን መጋየፂ ተጠቒመን ካብ ወትረአን ንላዕሊ ፀቢቐንን ማዕሪገንን ነቲ በዓል የኽብራኦ። ወለድና ንፅባቐ ጓል ኣሸንዳ እንትገልፁ “ቆልዓ ኣሸንዳ ርኢኻ ኣይትተሓፀ” ዝብል ምስላ ኣለዎም። እዚ ምስላ ደቂ ኣሸንዳ ክንዲ ምንታይ ምዕሩጋትን ውቁባትን ከም ዝኾና ንምምልኻት እዩ።

ደቂ ኣሸንዳ ብኹሉ ነገር ማዕሪገን ንኣሸንዳ ከድምቓ ኣብ ዝገብረኦ ምድላው ዘድልየን ክዳንን መጋየፅን ኣብ ምምላእ ግደ ወለደን፣ ኣሕዋተንን ኣዝማድን ዝለዓለ ግደ ኣለዎም። ኣብ ድምቀት ደቂ ኣሸንዳ ኩሉ ግደኡ ከም ዝፍፅም እውን ዓብይ መርትዖ እዩ።

ደቂ ኣሸንዳ “ኣሸንዳ ናይ ዓሚ ናይ ዓሚየ ተጋኒና ሎሚየ” እናበላ ንጉሆ ተኣኻኺበን ፈለማ ናብ ቤተ ክርስትያን ብምኻድ ዓመት ንዝዓቖረን ፈጣሪአን ብምምስጋን ቀፂሉ ድማ ገዛ ንገዛ እናተዛዋወራ መልእኽቲ “እንኳዕ ኣብፀሐኩም” እናኣሕለፋን ክውድሳን ክፃወታን እየን ዝውዕላ። ኣብ ሕሉፍ ዓመት እቲ በዓል መፅብዓ ናብ ዝነበረን ገዛውቲ እናኸዳ ድማ “ኣቲ እምበይተይ ፀሓየ መፂአ ኣለኹ እዛ መፅበዓየ…” እናበላ ብምዝያም መፅብዐአን ተቐቢለን መሪቐን ይወፅኣ።

ክብርታት ኣሸንዳ እንታይ እንታይ እዮም?

በዓል ኣሸንዳ ብርክት ዝበሉ ክብርታት ዘለዎ በዓል እንትኸውን ነፃነት፣ ፅባቐን ሓድነትን፣ ልግስን ካልኦት ክብርታትን ዝሓዘ በዓል እዩ።

ሀ. ማዕርነትን ነፃነትን

በዓል ኣሸንዳ ደቂ ኣሸንዳ ባህጊ ልበን ከም ድላየን ዝዛረባሉ፣ ናብ ድላየን ዝኸዳሉ፣ መፅብዓ ኣትዮምለን ዓመት ንዝዓቖሮም ዘመስግናሉ፣ ክነቕፍኦ ንዝደለያ ሰብ ብደርፍታተን ልክዑ ዝነግራሉ፣ ንዝምጎስ ድማ ዘወድሳሉ በዓል ከም ዝኾነ ይግለፅ።

ደቂ ኣሸንዳ ካብ ካሊእ እዋን ብዝተፈለየ ካብ ስድረእን ወፂአን ደገ እናተፃወታ ዝውዕላሉ ነፃነት ተዋሂቡወን ስራሕ ገዛ ከየጨነቐን ብነፃነት ምሉእ መዓልቲ ኣብ ደገ ዝፃወታሉ በዓል እውን እዩ።

. ፅባቐን ሓድነትን

ፅባቐን ሓድነትን ደቂ ኣሸንዳ ብፍሉይ ዘንፀባርቕኦም ክብርታት ኣሸንዳ ከም ዝኾኑን ዝተፈላለየ ባህሪ፣ ደረጃ መነባብሮ፣ ድልየትን ዝንባለን ዘለወን ደቂ ኣንሰትዮ ናብ ሓደ መፂአን ባህሊ ወለደን ዝገልፃሉ መዓልቲ ብምዃኑ መርኣያ ሓድነትን ፅባቐን ክኸውን ከም ዝኽእል ይግለፅ። ነዚ ምስክር ዝኾኑ ኣብነታት እውን ኣለዉ።

ንኣብነት፦ “ንፃወት እንዶ ንተሓዋወስ’የ ዘመን ክምለስየ…” ዝብል ሓደ ተለላ ደርፊ ቖልዑ ኣሸንዳ ብምጥቃስ እዚ ንሕና ሓደ እንተኾይንና እዩ እቲ ሰናይ ዘመን ክመፅእ ዝኽእል፣ ባህልና እንዝክሮ ንሕና ተሓዋዊስና ሓደ እንተኾይንና እዩ ዝብል መልእኽቲ ስለ ዘለዎ ምስክር ሓድነተን እዩ ይብል ምሁር መፅናዕቲ ባህልን ስነ ፅሑፍን ኣለማየሁ ሃፍተ።

. ፆታዊ ስነ መጐትን ንፅህናን

ኣሸንዳ ካብ ካልኦት በዓላት ፍሉይ ዝገብሮ ናይ ንሕንሕ ዓውዲ ኮይኑ ምቕራቡ እዩ። ደቂ ኣሸንዳ እንተወሓደ ብኣከዳድና፣ ብመጋየፅታት፣ ብክእለት ምንጓሕ ደርፊ፣ ፈጠራዊ ዜማታትን ካልኦትን በብጉጅለታት ተመዳዲበን ይፃወታን ይነሓንሓን።

ደቂ ኣንስትዮ እንታይ ይደልያ? እንታይ ይፀልኣ? ከመይ ነይረን? ከመይ ኣለዋ? በቶም ዘዝይምኦም ስነ ቃላት ናይ ምግላፅ ተኽእሎ ስለ ዘለወን ፍልስፍንአን ከም ዘርእያ መፅናዕቲ ኣይተ ኣለማየሁ ሃፍተ የረድእ።

“ኣዋልደየ ሎሚ ዕበዳ፤ ላዕላይ ሰማይ ዶ ኣለዎ ማይዳ…” ክብላ ከለዋ ዓብዪ ፍልስፍና ህይወት እዩ ይብል። “ደቂ ሰባት ክመፅእ እዩ ኢልና ብዛዕባ ንፅበዮ ካልኣይ ዓለም ኢና ንሓስብ። ንሰን ግን እታ ዝተውሃበትና እታ ንፈልጣ ዓለም ክንጥቀመላ ከም ዝግባእን፣ ሎሚ እንተዘይተፃዊትክን ኣብ ላዕላይ ሰማይስ ሜዳ ዝህሉ ዶ ይመስለክን? ዝብል ዓብዪ ናይ ስነ ተፈጥሮ ፍልስፍና እውን ዘርእያሉ መንገዲ ከም ዝኾነ ኣይተ ኣለማየሁ ይገልፅ።

ደቂ ኣንስትዮ ዝያዳ እቲ ኻልእ መዓልቲ ብዛዕባ ሓድነተንን ፆታ ማዕርነትን ዝሓስባሉ፣ ዘለወን ፅባቐ ብምግላፅ ንዝተፈላለዩ ባህላዊ እምነታት እቲ ሕብረተሰብ ዝምጉታሉ ባይታ ከም ዝኾነ ምሁራት እቲ ዓውዲ ይገልፁ። “ጓል ኣንስተይቲ ደገ እንተወፂኣ ብዙሕ ፀገም ክበፅሓ እዩ፣ በመታለልቲ ደቂ ተባዕትዮ ብዘይፍቓዳ ዘይትደልዮ ነገር ክትፍፅም ትኽእል እያ።” ዝብል ስግኣትን ባህላዊ እምነትን እቲ ሕብረተሰብ ኣብዚ ዕለት ከም ዝምጐት እውን ይዛረብ።

“ኩል ጊዜ ተዓቢጠን፣ ካብ ማሕበራዊ ህይወት ተገሊለን ክነብራ የብለንን ስለዚ ናፅነተን ዝእውጃሉ መዓልቲ ክህልወን ኣለዎ።” ዝብል ኣተሓሳስባ ዝተፈጠረሉ ስለ ዝኾነ ኣሸንዳ ኣተሓሳስባ ናይቲ ማሕበረሰብ ዝግለፀሉ፣ ፆታዊ መጐት ዝቐርበሉ፣ ደረጃ ፆታ ጓል ኣንስተይቲ ዝረኣየሉን በዓል እዩ።

. ልግሲን ሓልዮትን

ደቂ ኣንስትዮ ኣሸንዳ “ሓዛለይ ሓዛለይ… ጎይታይ ኣጋፋሪ ክፈተለይ በሪ…” ኢለን ዝረኸብኦ ውህብቶ ምስቲ ማሕበረሰበን እየን ዝካፈልኦ ዝብላ መምህር ስነ ፅሑፍ ዩኒቨርሲቲ መቐለ  ሰናይት ኣብርሃ፥ ንቤተ ክርስቲያን ብምሃብ፣ ዝጠመየ ብምዕንጋል በረከት ዝርከቦ ነገር ይሰርሓሉ። እዚ ድማ ልግሲ ክንመሃር ዝገብር ሓደ ካብቶም ክብርታት ኣሸንዳ እዩ ይብላ መምህር ሰናይት። እቲ ዝኣከባኦ ገንዘብ ንስኡናት ዝሕግዛሉ ኣጋጣሚታት እውን ኣሎ እዩ።

. ዲሞክራሲ

ደቂ ኣሸንዳ ተኣኪበን ኣብ ዝፃወታሉ እዋን ሓንቲ መራሒት ብስምምዕ ይመርፃ። ብብቕዓታ እየን ዝመርፃኣ። ኩለን ኣባላት እቲ ጉጅለ ድማ ብዘይ ዝኾነ ኣፈላላይ ማዕረ ተሳትፎ ስለ ዝህልወን ስርዓት ዲሞክራሲ ጎሊሁ ዝረኣየሉ ከይዲ እዩ ክብል ድማ  መምህር ጋዜጠኝነት ዩንቨርሲቲ መቐለ መብራህተን ገብረማርያም ኣብ ዙርያ ኣሸንዳ ኣብ ዝገበርዎ መፅናዕቲ ሰኒዶምዎ ኣለዉ።

. ኣድልዎነት

ደቂ ኣሸንዳ ናብ ኩሉ ገዛ ሃፍታምን ድኻን ከይፈለያ ብምኻድ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ይብላ። ተዓፅዩ ንዝፀንሐን ገዛ ድማ ሳዕሪ ኣሸንዳ ኣውዲቐን ብምኻድ መፂአን ከም ዝነበራ መልእኽቲ ገዲፈን ይኸዳ። እዚ ድማ ብዘይ ኣድልዎ ዝኽበር በዓል ከም ዝኾነ ዘመላኽት ከምዝኾነ መምህር መብራህተን ገብረማርያም ብመፅናዕቲ ኣረጋጊፆምዎ እዮም።

ብሓፈሻ እንትረአ በዓል ኣሸንዳ ብርክት ዝበሉ ክብርታት ዝሓቖፈ እንትኸውን፣ ብፍላይ ካብ ቀረባ እዋን ናብዚ ብርክት ዝበሉ በፃሕቲ ዓዲ ዝስሕብ ዘሎ በዓል እዩ። በዓል ኣሸንዳ ቁጠባዊ ምንቕቓሕ ብምፍጣር ኣብ ሕውየት ዝህልዎ ግደ ዝለዓለ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣብ ግምት ብምእታው፣ ካብቲ ብሰንኪ ኲናት ዝበፅሐ ሃሰያ ንምሕዋይ ከም ሓደ መሳርሒ ክንጥቀመሉ ዝግባእ ዓብይ በዓል እዩ።

እዚ በዓል ካብ ካልኦት በዓላት ብዝተፈለየ መልክዑ ብርክት ዝበሉ ክብርታት ዝሓቖፈ ብምዃኑ ኣብ መዝገብ ዘይድህሰሱ ሓድግታት ዓለም ንምምዝጋብ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ኩሉ ሓላፍነት ተሰሚዑዎ ክሰርሕ ይግባእ መልእኽትና እዩ።

#ህሊና_ኣርኣያ