Home ዜና ውሽጢ ዓዲ ብምትሕብባር ዩኒሴፍን ኢንተርናሽናል መዲካል ኮርፕን ብልዕሊ 54 ሚልዮን ብር ዝተሃነፃ ትካላት ማይ...

ብምትሕብባር ዩኒሴፍን ኢንተርናሽናል መዲካል ኮርፕን ብልዕሊ 54 ሚልዮን ብር ዝተሃነፃ ትካላት ማይ ግልጋሎት ምሃብ ጀሚረን።

105

መቐለ፥መስከረም 30/2018 ዓ.ም.( ቴሌቪዥን ትግራይ)

ዩኒሴፍ ብዝመደቦ ልዕሊ 54 ሚልዮን ብር ብኢንተርናሽናል መዲካል ኮርፕ ኣብ 5 ወረዳታት ዞባ ማእኸልን ሰሜን ምዕራብን ዝተሃነፃ ትካላት ማይ ግልጋሎት ምሃብ ጀሚረን።

እተን ህንፀተን ተዛዚሙ ንግልጋሎት ክፍቲ ዝኾና ትካላት መስተ-ማይ ብማይ ወለድ ሕማማት ዝበፅሖም ዝነበረ ፀገም ንምክልኻል ከምዘኽእሎም ነበርቲ 5 ወረዳታት ዘባታት ማእኸልን ሰሜን ምዕራብ ተዛሪቦም።

ኣብ ወረዳታት ዛና፣ኣሕስኣ፣ኣሕፈሮም፣ራህያን ኣኽሱምን ንዝነብር ሕብረተሰብ ግልጋሎት ፅሩይ መስተ ማይ ክህባ ዝኽእላ ብሓይሊ ፀሓይ ዝሰርሓ ጎዳጉዲ ማይ ብሓገዝ ዩኒሴፍ ኢንተርናሽናል መዲካል ኮርፕ ብዝተብሃለ ትካል ህንፀተን ተዛዚሙ ንግልጋሎት በቒዐን።

ነበርቲ ትካላት ማይ ዝተሃነፀለን ከባቢታት ከም ዝበሉዎ ጆኖሳይዳዊ ኲናት ስዒቡ ትካላት ብምዕናወን ፅሬት ዘይብሉ ማይ ብምስታይ ንዝተፈላለዩ ማይ ወለድ ሕማማት ይቃልዑ ከምዝነበሩን ዝተሃነፃ ትካላት ፅሩይ መስተማይ ነዚ ኹሉ ፀገማት ከምዘቃልለሎም ይዛረቡ።

ኣማኻሪ ጉዳየያት ከተማ ዞባ ማእኸል ኣይተ ፅጌ ተስፋይን ኣማኻሪ ጉዳያት ማሕበራዊ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ኣይተ እልፍዮስ ታደሰን ዝተሃነፁ ትካላት ማይ ሕቶ ፅሩይ መስተ ማይ ሕብረተሰብ ዝመለሰ ከምዝኾነ ብምግላፅ እተን ተሃኒፀን ዘለዋ ብሓይሊ ፀሓይ ዝሰርሓ ጎዳጉዲ ማይ ኣድላይ ክትትል ከምዝግበረለን ይዛረቡ።

ምኽትል ሓላፊ ቢሮ ማይን ኢነርጅን ትግራይ ኣይተ ታጠረ ኣዲስ ኣብ ትግራይ ዝነበራ ትካላት ማይ በቲ ዝነበረ ጆኖሳይዳዊ ኲናት ብምዕናወን ሕብረተሰብ ንኸቢድ ሕፅረት ፅረይ መስተ ማይ ከምዝተሳጥሐ ብምግላፅ ተሃኒፀን ንግልጋሎት ክፍቲ ኾይነን ዘላዋ ጎዳጉዲ ማይ ሕብረተሰብ ብኣግባቡ ክጥቀመለን ከምዝግባእ ይሕብሩ።

ኣተሓባባሪ ኢንተርናሽናል መዲካል ኮርፕ ዋሽ ፕሮግራም ኣይተ ሓዱሽ ፍስሃ ትካሎም ጠለብ ፅሩይ መስተ ማይ ህዝቢ ንምምላእ በጀት ብምምዳብ 5 ብሓይሊ ፀሓይ ዝሰርሓ ጎዳጉዲ ምስ ምሉእ ዝርገሐአንን መአከቢ ገንአንን ልዕሊ 45 ተሓቆንቲ ማያት ግልጋሎት ክህባ ከምዝገበረ ይዛረቡ።

ኣብ ትግራይ ኣተሓባባሪ ዩኒሴፍ ሚስተር ፍሊፕ ኦቴኖ ትካሎም ብሰንኪ ኲናት ኣብ ዝተሃሰያ ከባብታት ትግራይ ፀገማት ፅሩይ መስተ ማይ ኣዴታት፣ህፃናትን መላእ ሕብረተሰብን ንምቅላል እናሰርሐ ከምዘሎ ብምግላፅ ተመሳሰልቲ ስራሕቲ ከምዝቕፅሉሉ ኣብሪሆም።

#መለስ_ኣባዲ