ብሰንኪ ጄኖሳይዳዊ ኵናት ልዕሊ 10 ቢልየን ዶላር ዝግመት ዕንወት ኣጋጢሙ-ኮሚሽን መፅናዕቲ ጄኖሳይድ ትግራይ
ኣብ ጄኖሳይዳዊ ኵናት ትግራይ ልዕሊ 10 ቢልየን ዶላር ዝግመት ዕንወትን ክሳራን ኣብ ዘፈር ማሕበራዊ ከምዝበፀሐ ኮሚሽን መፅናዕቲ ጄኖሳይድ ትግራይ ኣረጋጊፁ።
ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን የማነ ዘርኣይ ሎሚ ንመራኸቢ ማዕኸናት ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ፥ ኣብ ከይዲ ኵናት ናይ ዘጋጠመ መጠን ማሕበረ ቁጠባዊ ዕንወትን ኪሳራን ዕላዊ ገይሮም።
እቲ ኣብ ዘፈራት ጥዕና፣ ትምህርቲ፣ ማሕበራዊ ትካላት፣ ቅርስን ማሕበራዊ ፀጋታትን ኣተኵሩ ዝቐረበ መፅናዕቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ዘማሓድሮም ከባቢታት ብዝተገበረ ዳህሳስ ዝተኣከበ ምዃኑ እቶም ኮሚሽነር ኣረዲኦም።
እቲ መፅናዕቲ :- ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ትምህርቲ ፣ ስርዓት ጥዕና ፣ ሓድግታት፣ ታሪኻዊ ህንፃታት ፣ ስራሕቲ ኢደጥበብን ታሪኻዊ ናውቲታትን ካብ 38 ክሳብ 56 ሚእታዊ ዕንወት ከምዘብፀሐ ብምግላፅ ኣብ ቅድሚት ሰሪዕዎ ኣሎ።

ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ትካላት ማሕበራዊ ድሕነት ( ኣናኡሽተይ ትካላት ዕቋርን ልቃሕን ፣ማሕበራት ሕብረት ስራሕ ፣ኣናኡሽተይ ትካላት ማሕበራዊ ግልጋሎት ካልኦትን) ትግራይ 27 ነጥቢ 2 ሚእታዊ ዕንወት ብምፍፃም ኣብ ቅድሚት ዘቐመጠ እቲ ፀብፃብ፥ ሓይልታት ኣምሓራ፣ ዓፋርን ካልኦት እውን ነናይ ባዕልቶም ብፅሒት ከምዘለዎም ግልፂ ጌሩ።
ነቲ ፀብፃብ ንምጥማር 659 ሽሕን 675 ሰባት ከምዝተሓተቱን 4960 ትካላትን ከምተዳህሰሱን ዝገለፁ ኮሚሽነር የማነ ኣብ ማሕበራዊ ድሕንነት ዘጋጠመ ሞት ሰባት ብመንፅር ነቲ ማሕበረ ቁጠባ ዘለዎ ፅልዋ ከምዝተገምገመ ጠቒሶም።
ምሉእ ትሕዝቶ እቲ ፈላማይ ቅጥዒ ፀብፃብ ኣብ ወግዓዊ ዌብሳይት ኮሚሽን ጄኖሳይድ ትግራይ https://citghub.org/the-systematic-undoing-of-society…/
ብምእታው ምግንዛብ ከምዝከኣል ተገሊፁ።
እቲ ኮምሽን ብሰንኪ እቲ ፅንተታዊ ኲናት ኣብ ልዕሊ ኣዋልድን ደቂኣንስትዮን ትግራይ ዝበፅሐ ፆታዊን ፆታ መሰረት ዝገበረን ጥቕዓት ዝገልፅ ፀብፃብ ዕላዊ ምግባሩ ይዝከር።



