Home ዓለምለኻዊ ዜና ብቀረፅ ኣሜሪካ ዘምረራ ቻይናን ሃገራት ኤስያን ውዕል ናፃ ቀጠና ንግዲ ተፈራሪመን።

ብቀረፅ ኣሜሪካ ዘምረራ ቻይናን ሃገራት ኤስያን ውዕል ናፃ ቀጠና ንግዲ ተፈራሪመን።

48

ቻይናን ብምሕዝነት ደቡባዊ ምብራቕ ኤስያ ዝፍለጣ ሃገራትን ፅዕንቶ ንግዲ ኣሜሪካ ንምፅዋር ዘኽእለን ሓዱሽ ስምምዕ ናፃ ቀጠና ንግዲ ከም ዝተፈራረማ ሮይተርስ ፀብፂቡ፡፡

ኣብ ርእሰ ከተማ ማሌዥያ (ኳላላምፑር) ኣብ ዝተሳለጠ ዋዕላ ሃገራት ኤስያ ዝተፈረመ ስምምዕ ናፃ ቀጠና ንግዲ፥ ኣብ ዲጂታላዊ፣ ሓምለዋይ ቁጠባን ሓደሽቲ ኢንዱስትሪታትን ዘተኮረ ምዃኑ ሚኒስትሪ ንግዲ ቻይና ዕላዊ ገይሩ።

ሚኒስትሪ ንግዲ ቻይና፥ ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ሃገራት ዓለም ዝወሰኖ ልዑል ቀረፅ ንምምካት 3 ነጥቢ 8 ትሪልዮን ዶላር ሓፈሻዊ ፍርያት ምስ ዘለዎ ዞባ ንግዳዊ ምትእስሳር ምፍፃሙ እውን ኣፍሊጡ።

እቲ 11 ሃገራት ዝሓቖፈ ምሕዝነት ሃገራት ደቡባዊ ምብራቕ ኤስያ ዝዓበየ ንግዳዊ መሻርኽታ ምዃኑ ዝሓበረት ቻይና ኣብ 2024 (ኣ.ኣ) ጥራሕ ኣብቲ ዞባ 771 ቢልዮን ዶላር መጠን ናይ ዘለዎም ሸቐጣት ልውውጥ ንግዲ ከም ዘካየደት ገሊፃ፡፡

እቲ ስምምዕ፥ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕን ፕረዚደንት ቻይና ዢ ጂን ፒንግን ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ንግዳዊ ምስሕሓብ ንምፍታሕ ኣብ ዋና ከተማ ደቡብ ኮርያ ተራኺቦም ክዝትዩ ኣብ ዝተቛፀርሉ እዋን ዝተፈረመ ምዃኑ ሮይተርስ ፀብፂቡ።

#ገብረእግዚኣብሄር ሃይሉ