ብትምህርቲ ምውዳቕ ኣብ ኩሎም ዘፈራት ምውዳቕ እዩ-ፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ታደሰ ወረደ
መቐለ፥ጥቅምቲ 11/2018 ዓ.ም.(ቴሌቪዥን ትግራይ)
ኣብ ስነ ስርዓት ሽልማት ብሉፃት ተምሃሮ 12 ክፍሊ 2017 ዓ.ም. ተረኺቦም መልእኽቲ ዘሕለፋ ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ትግራይ ኣብ ትምህርቲ ዝምዝገብ ዘሎ ውፅኢት ብዙሕ ስራሕ ምስራሕ ከምዝግባእ ዘርኢ ምዃኑ ገሊፆም።
ብትምህርቲ ምውዳቕ ኣብ ኹሎም ዘፈራት ምውዳቕ እዩ ዝበሉ ፕረዝደንት ጀነራል ታደሰ፥ ኣብ ውሽጢ ዓዲን ወፃእን ዘሎ ትግራዋይ ዓውዲ ትምህርቲ ንምድጋፍ ተዋዲዱ ክሰርሕ ፀዊዖም።
ብማሕበር ልምዓት ትግራይ ክህነፃ ዝተተለመለን ፍሉያት ኣብያተ ትምህርቲ ብቑልጡፍ ህንፀተን ተዛዚሙ ኣብ ልምዓት ሓይሊ ሰብ ብፅሒተን ክፍፅማ ተዋዲድካ ምስራሕ ወሳኒ ምዃኑ እውን ኣረዲኦም።
ትሑት ውፅኢት ዘመዝገባ ኣብያተ ትምህርቲ ካብተን ብሉፅ ውፅኢት ዘምፀኣ ተሞክሮ ወሲደን ዝሐሸ ስራሕ ክሰርሓን ኣብ መንጎ ኣብ ገጠርን ከተማን ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ውልቀን መንግስትን ዘሎ ኣፈላላይ ውፅኢት ንምፅባብ ክስራሕን ቑፅሪ ብሉፃት ደቂ ኣንስትዮ ክዓቢ ደገፍ ክግበር ከም ዝግባእን ፕረዝደንት ታደሰ ገሊፆም።
ፕረዚደንት ታደሰ ኣፀጋሚ ኩነታት ትግራይን ዘይምችው ከይዲ ምምሃርን ምስትምሃርን ተፃዊሮም ንሽልማት ንዝበቕዑ ተምሃሮ፣ ንሽልማት ዘብቅዑ ወለድን መምህራንን ንኢዶም።
ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ምስ ፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብምትሕብባር ኣብ 2017 ዓ.ም. ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ወሲዶም ብሉፅ ውፅኢት ንዘምፅኡ 54 ደቂ ኣንስትዮ ንዝርከበኦም 156 ተምሃሮ ሽልማት ገንዘብን ኣፍልጦ ምስክር ወረቀትን ከምዝተበርከተሎም ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት ገሊፁ።



