Home ዜና ብደገን ውሽጥን ዝተወጠረ ተስፋ ሰላም

ብደገን ውሽጥን ዝተወጠረ ተስፋ ሰላም

1070
0

—-

ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ተገዲዱ ዝዝምረላ ዘሎ ሰላም ግዘ ንምዕዳግ ይጥቀመላ ከምዘሎ ተገሊፁ፡፡

ኣብ ትግራይ ዝተኣወጀ ኲናት ብሰላማዊ ኣግባብ መዕለቢ ንኽረክብ ተሪፋ ዘላ ዕድል ሰላም ኣዝያ ፀባብ እያ፡፡

መርበብ ሓበሬታ ዊኪፒዲያ፤ እዋናዊ ኩነታት ትግራይ ኣብ ዝምዝግበሉ ገፅ፤ ከይዲ ዘተ ሰላም ትግራይ ብዝብል ርእሲ ካብ ዘንበሮ ሓቅታት እቲ ሓደ ኲናት ትግራይ መዕለቢ ዝረክብ ብፖለቲካዊ ዘተ ጥራሕ ምዃኑን እዚ ድማ መርገፂ መንግስቲ ትግራይ ከምዝኮነን ካብ ቀደሙ እውን ተደጋጋሚ ፃውዒት ክገብር ምፅንሑን የማላኽት፡፡

ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ቅሉዕ ወራር ድሕሪ ምጅማሩ  ጥቅምቲ 30/2013 ዓ.ም ብፕረዚደንት መንግስቲ ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ናብ ሕብረት ኣፍሪካ ዝተፅሓፈ ደብዳቤ ከም ኣብነት ዝጠቐሰ እቲ መርበብ ሓበሬታ፤ እቲ ጉጅለ ፋሽስት ዝኣወጆ ቅሉዕ ወራር ንፖለቲካዊ ፍልልያት ክፈትሕ ከም ዘይኽእልን ፖለቲካዊ ዘተ ከምዘድልን ተደጋጋሚ ፃውዒት ብመንግስቲ ትግራይ ክቐርብ ምፅንሑ ኣዘኻኺሩ፡፡

ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ግና ብፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪካ ሲርል ራማፎዛ ንዝተመርሐ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪካ ነፂጉ ጉዳይ ትግራይ ብኲናት ክውድእ ልዑል ሸውሃት ተሓንጊጡ ምንባሩ እቲ መርበብ ሓበሬታ ሓሳቡ የጠናኽር፡፡

ብሽፋን መጥቃዕቲ እዚ ሰሜን ንህዝቢ ኢትዮጵያ ኣደናጊሩን ዘራያት ኣኪቡን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝኣወጆ ጀኖሳይዳዊ ኲናት፤ ህዝቢ ትግራይ ካብ ገፅ መሬት ኣጥፊእኻ ታሪኹ ብምውናን ዝተደላደለ ስልጣን ንምጥጣሕ ዝሃቀነ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ፤ ሕጋዊ መንግስቲ ካብ ስልጣን ብምውጋድ ትግራይ ብስም ኣብይ ኣሕመድ ብዝምሕሉ ባንዳታት ክትመሓደርን ዕድል ህዝቢ ትግራይ ብድሌት እቲ ጉጅለ ፋሽስት ክውሰን ልዑል ፃዕሪ ምግባሩ ዝፀብፀበ ድማ ዩሮ ኒውስ እዩ፡፡

ኲናት ትግራይ ብዘተ ንምውዳእ ተሪፋ ዘላ ዕድል ኣዚያ ፀባብ ምዃናን ካብዙይ ንደሓር ዝግበር ቁማር ፖለቲካ ዕድል ህዝብታት ረኪስካ ከምዝፍፀምን ሓላፊ ጉዳያት ወፃኢ ሕብረት ኣውሮፓ ጆሴፍ ቦሬል ገሊፆም፡፡

ብውቅዒት ሰራዊት ትግራይ ኣብ ወፍሪ ኣሉላ ኣባነጋ ዝተደምሰሰ ሰራዊት ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ካብ መብዛሕቲኡ ከባቢታት ትግራይ ምህዳሙ ስዒቡ፤ ንማሕበረሰብ ዓለም፣ ሲቪል ማሕበራትን ሚዲያታትን ብኣባል ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ሬድዋን ሑሴን ኣቢሉ ጋዜጣዊ መግለፂ ምሃቡ ይዝከር፡፡

እቲ ፋሽስታዊ ጉጅለ ጉዳይ ትግራይ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ብምዃኑ ዝኾነ ዓይነት ፖለቲካዊ ዘተ ከምዘየድልን፤ ንግዚኡ በይናዊ ኲናት ደው ብምባል ተመሊሱ ድሌቱ ንምፍፃም ከም ዝተዳለወ ብምግላፅ፤ ሚዲያታትን ማሕበረሰብ ዓለምን ኣብ ልዕሊ እቲ ጉጅለ ዝገብርዎ ፀቕጢ ደው ከብሉ ኣተሓሳሲቡ ነይሩ፡፡

ኣብ መሬት ዝገጠሞ ስዕረት ፀላዕላዕ ዘበሎ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ፤ ድሕሪ ናይ 8 ኣዋርሕ ፈኸራን ዕንደራን በይናዊ ተኹሲ ደው ምባል ምእዋጁ፤ ምልክት ስዕረቱ ምዃኑ ብምርዳእ፤ ኩነታት ብሰላማዊ መንገዲ መዕለቢ ክረክብ ክግበረሉ ዝፀንሐ ፃውዒት ክቕበል ዘይከኣለ እቲ ጉጅለ፤ ካብ ሰራዊት ትግራይ ዝተፈነወሉ ሓያል ውቅዒት ምፅዋር ኣብይዎ ረይረይ ክብልን ብስም በይናዊ ተኹሲ ደው ምባል ደላይ ሰላም መሲሉ ክረአ እኳ እንተፈተነ፤ ማሕበረሰብ ዓለም ቀዲሙ ብምንቅሑ ኣይተዓወተሉን፡፡

ሰራዊት ትግራይ ኣብ ጫፍ ደገ ቤተ-መንግስቲ ኣራት ኪሎ በፂሑ ዕድል ኢትዮጵያ ኣብ ኢድ ሰራዊት ትግራይ ኣብ ዝወደቐትሉ እዋን ከይተረፈ፤ ዝካየድ ዘሎ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ትግራይ ብፖለቲካዊ ዘተ መዕለቢ ክረክብን ገበነኛታት ኣብ ዓለም ለኸ መጋባእያ ፍርዶም ክረኽቡን ፅኑዕ መርገፂ ዝሓዘ እኳ እነተነበረ፤ ብወገን ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ግና ጉዳይ ዘተ ሰላም ዝቕበሎ ግዘ ንምዕዳግን ህዝቢ ትግራይ ንምስኳንን ምዃኑ ተራእዩ፡፡

መንግስቲ ትግራይ ንሰላም ዕድል ንምሃብ ሰራዊቱ ካብ ሰሜን ሽዋ ናብ ግዝኣቱ ኣብ ዝመለሰሉ እዋን፤ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ እስትንፋስ ዝረኸበ መሲልዎ፤ ምዕራፍ ክልተ ክንውድእ ትግራይ ምእታውና ኣይተርፍን ክብል እኳ እንተፈከረ፤ ቁመና ሰራዊት ትግራይን ቅዋም ህዝቢ ትግራይን ኣብ ግምት ብምእታው፤ ናብ ትግራይ ሰራዊት ካብ ምእታው ህዝቢ ትግራይ ብምዕፃውን ምግቢ ብምኽልካልን ከፅንቶ ከም ዝተዳለወ ተሓንዩ፡፡

ብስም ግዘ ፅምዋ ህዝቢ ትግራይ ካብ ኩሎም ግልጋሎታትን ሰብኣዊ ሓገዝን ተዓፅዩ ንሰንሳቱ ክጣፋእን ክብተንን ዝሃቀነ ተንኮል ገበቲ ሓይልታት፤ ሳላ ፅንዓት ህዝቢን ትዕግስቲ መንግስቲ ትግራይን ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ክልተ መዋጥር ክኣቱ ተገዲዱ ኣሎ፡፡

ንስሙ ብዛዕባ ዘተ ሰላም እናዘመረ ግዘ ክዕድግ ዝሓሰበ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ፤ እቲ ዝተፀበዮ ግዘ ቀዲሙ ኣብ ልዕሊኡ ተገልቢጡ ብኽልተ ወሰንቲ ሓይልታት ክቕርቀር ጌርዎ ኣሎ፡፡ ካብ ቀደሙ ቀዋሚ መርገፂ ዘይፈልጥ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ፤ ብማሕበረሰብ ዓለም ዝበፅሖ ተነፅሎን ብውሽጣዊ ፖለቲካዊ ናዕቢን ተቐርቂሩ ኣብ መዓልታት ነንባዕሎም ዝራፀሙ መግለፂታት ከውፅእ ተገዲዱ፡፡

ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ  ሰነ 4/2014 ዓ.ም ኣብቲ ዘይሕጋዊ ቤት ምኽሩ ተረኺቡ ንሰላም ዘለዎ ቅሩብነት እኳ እንተገለፀ፤ ኣብ መሬት ዝትርጎም ኣይኮነን፡፡ ብኣንፃሩ ብኣባል ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ደመቀ መኮነን ዝምራሕ ሓይሊ ትምክሕቲ ናብ ዓፋር ብምጉዓዝ ብውሱን መልክዑ ተመሓይሹ ዝነበረ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ክተዓናቐፍን፤ ህዝቢ ትግራይ ናይ ምፅናት ድሌቱ ብኣካል ክትግብር ተራእዩ፡፡

ኣብ መሬት ዘሎ ህልው ኩነታት ንምዕዛብ  ሰነ 15/2014 ዓ.ም ኣብ ኢትዮጵያን ትግራይን ዑደት ዝገበረ ብሓላፊ ምክልኻል ቅልውላው ሕብረት ኣውሮፓ ጃኔዝ ሌናርችች ዝምራሕ ጉጅለ፤ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ምጅማር ዘተ-ሰላም ብቕድመ ኩነት ዘቐመጦም ነጥቢታት ብምድጋፍ መርገፂ ድሕሪ ምሓዙ፤ እቲ ጉጅለ በብወርሑ ከልተ ሚልዮን ሊትሮ ነዳዲ ናብ ትግራይ ክሓልፍ ከም ዝፈቅድ፣ ኣብ ዝኾነ ይኹን ቦታ ብዘይ-ዝኰነ ቅድመ ኩነት ንዘተ ሰላም ቅሩብ ምዃኑን ብመንገዲ ሬድዋን ሑሴን ኣቢሉ ዓቕሊ ፅበታዊ መግለፂ ምውፅኡ ይዝከር፡፡

ግዘ ንምዕዳግ እንበር ሓቀኛ መርገፂ ዘተ ሰላም ዘይብሉ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ፤ ነቲ ብሬድዋን ሑሴን ዝተገለፀ “ብዘይ ቅድመ ኩነት ንዘተ ቅሩባት ኢና” ዝብል መርገፂ፤ ድሕሪ ሓበራዊ መግለፂ ፍሉያት ልኡኻት ሕብረት ኣውሮፓ፣ ኣሜሪካን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ነቲ ዘውፀኦ መግለፂ ባዕሉ ተገልቢጡ ክኽሕዶን፤ ንሓበራዊ መግለፂ እቶም ፍሉያት ልኡኻት ክቃወምን ግዘ ኣይወሰደሉን፡፡

ኣብ ልቓሕን ሓገዝን ዝተንጠልጠለ በጀቱ ንምድጓምን ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ተባሪዑ ዘሎ ሃልሃልታ ሓዊ ንምህዳእን ደላዪ ሰላም መሲሉ ክረአ ዝደሊ እቲ ጉጅለ፤ በቲ ካሊእ ገፅ ድማ ካብ ለኣኽቱ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ገበቲ ሓይልታት ኣምሓራን ዝተውሃቦ ህዝቢ ትግራይ ናይ ምፅናት ተልእኾ ኣጠናኺሩ ይሰርሐሉ ኣሎ፡፡

ድሕሪ ሓበራዊ መግለፂ ሰለስቲኦም ኣካላት፤ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ማይክ ሃመርን ፍልይቲ ልእኽቲ ሕብረት ኣውሮፓ ኣኔት ወበርን ወኪለምዎ ናይ ዝመፁ ኣካል በይናዊ መርገፂ ምሓዞም ስዒቡ፤ ብመንገዲ ኣባል ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ዝኰነ መለስ ኣለም ኣቢሉ ዳግም ዓቕሊ ፅበታዊ መብርሂ ዝሃበ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ፤ ነቲ ብሬድዋን ሑሴን ዝቐረበ ተቓውሞ ኣለሳሊሱ ክገልፆን ቴክኒካዊ ጉዳይ ብምምሳል ስቓይ ህዝቢ ትግራይ ንምንዋሕ ይሰርሕ ምህላዉን ግልፂ ጌሩ እዩ፡፡

ኣብ ዓውደ ግንባራትን መድረኽ ዓለምን ዘሕፍር ስዕረት ዝበፅሖ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ፤ ብስም ዘተ ሰላም ውሱን ግዘ ረኺቡ ክዳሎን፤ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ልቓሕን ሓገዝን ረኺቡ ኣፅዋር ክሽምትን ኣብ ዝጓየየሉ እዋን ኣብ ልዕሊኡ ተገልቢጣቶ ብደገን ብውሽጢን ብዝነድድ ባርዕ ኣብ መፃብብ ወዲቑ ኣሎ ፡፡

ብኣፉ ጉዳይ ዘተ ሰላም እናዘመረ ኣብ መሬት ዝድርድሮ ዘሎ ምኽንያታት ደሚርካ እንትረአ ግን፤ ስማዊን ተገዲዱ ዝኣተዎን እንበር ጀኖሳይዳዊ ኲናት ትግራይ ብዘላቕነት ፖለቲካዊ መፍትሒ ምእንቲ ክረክብ ዘይምዃኑ ፕሬዚደንት መንግስቲ ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ምስ ነባራይ ህዝቢ ከተማ መቐለ ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት ገሊፆም እዮም፡፡

ብገ/ሄር ሃይሉ

Previous articleዕፅዋ ሰብኣዊ ሓገዝ
Next articleምእላይ መፋስስ ሩባ ዛምራ