መቐለ፥ ጥቅምቲ 6/2018 ዓ.ም. (ቴሌቪዥን ትግራይ)
ምኽትል ፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ኣማኑኤል ኣሰፋ ምስ ተወከልቲ ዓለም ለኻዊ ትካላት ወድብ ሕቡራት መንግስታት ተራኺቦም ኣብ ዘሳለጥዎ ዘተ ከም ዝሓበርዎ ብሰንኪ ወራር ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ ወገናት ናብ መረበቶም ብዘይምምላሶምን፣ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ብዘይምርግጋፁን ፀገማት ትግራይ ንምፍታሕ ዕንቅፋት ኮይኑ ኣሎ ኢሎም።
ተመዛበልቲ ድሕንነቶም ተሓልዪ ናብ መረበቶም ምምላስን ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ምርግጋፅን ቀዳምነት ዝወሃቦ ስራሕ እዩ ዝበሉ ኣይተ ኣማኑኤል ዓለም ለኻዊ ትካላት እውን ስምምዕነት ፕሪቶርያ ከይተሸራረፈ ክትግበር ዝከኣሎም ሓገዝ ክገብሩ ፀዊዖም።
ተመዛበልቲ ወገናት ድሕንነቶም ተሓልዪ ናብ መረበቶም ክምለሱን ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ስራሕቶም ክውግኑን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ከም ዝቅፅለሉን እውን ገሊፆም።
ተወከልቲ ትካል መግቢ ዓለም፣ ትካል ስደተኛታት ዓለም፣ ትካል ልምዓት ውድብ ሕቡራት መንግስትታትን ካልኦት ዓለምለኻዊ ትካላትን ኣብ ፍታሕ ተመዛበልትን ተመለስትን መሰረት ጌሮም ምስ ኣመራርሓ ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ዘሳለጥዎ ዘተ ብተወሳኺ ኣብ ዳግመ ሕውየትን ህንፀትን ትግራይ ብፅሒቶም ንምፍፃም ቑሩባት ምዃኖም ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት ሓቢሩ።



