Home ዜና ተዘክሮ ዓወት ሰነ 21

ተዘክሮ ዓወት ሰነ 21

1070
0

ሓየት ሰራዊት ትግራይ ድሕሪ 8 ኣዋርሕ ብወፍሪ ኣፍሪካዊ ራእሲ #ኣሉላ ኣባነጋ መስደመም 21 ክፍለ ዘመን ወታሃደራዊ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ጀኖሳይዳውያን ፀላእቱ ደምሳሳይ ቅልፅሙ ኣመስኪሩ፡፡

ዓወት ሰነ 21/2013 ዓ/ም ውፅኢት ስሙር ውህደት ደጀንን ግንባርን ትግራይ ከም ዝኾነ ኣዴታት  ከተማ መቐለ ኣዘኻኺረን፡፡

ኣብቲ እዋን ፕሬዝዳንት ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ህዝቢ ትግራይ ኣብ ቅልፅሙ ዝተመስረተ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ቃልሲ ብምክያድ ሃለዋቱን ድሕንነቱን ከም ዘረጋገፀ ሓቢሮም ነይሮም፡፡

ሙሉእ ሰላምን ዓርሰ ውሳነን  ትግራይ ንምግሃድ ቃልሰን ከምዝሓፈሳ ዘረጋገፃ እዘን ኣዴታት ዲያስፖራ ደቂ ትግራይ ንዘካይድዎ ዘለዉ ብርቱዕ ዲፕሎማሲ እውን ንኢደን፡፡

ብኤፍሬም ረደሀይ

Previous articleግዘ ዘይህብ ዋኒን
Next articleምህዞ መናእሰይ ኣብ ምፍታሕ ማሕበራዊ ፀገም