Home ዜና “ትግራይ ብክእለትና ክንሃንፃ ኢና።”መናእሰይ ሰርከስ ወወክማ መቐለ

“ትግራይ ብክእለትና ክንሃንፃ ኢና።”መናእሰይ ሰርከስ ወወክማ መቐለ

1610
0

መናእሰይ ሰርከስ ወወክማ መቐለ ኩለመዳይ ቃለሲና ብምሕያል ንትግራይ ሞያናን ክእለትናን ተጠቕምና  ክንሃንፃ ኢና ኢሎም፡፡

መናእሰይ ሰርከስ ወወክማ መቐለ ኣብ ሕውየት ስነ ልቦና ህፃናትን ምልዕዓል መናእሰይን ብምስታፍ ኣብ ዳግመ ህንፀትን ምዕዋት ቃልሲ ህዝቢ ትግራይን እጃሞም ይፍፅሙ ከምዘለዉ ገሊፆም ፡፡

ፋሽሽታዊያን ወረርቲ ህዝቢ ትግራይ ከምህዝቢ ንምፅናት እንትልዓሉ መንነት ህዝቢ ትግራይ ዝገልፅ ኩሉ ካብ ታሪኽ መዝገብ ምፍሓቕ እዩ ፡፡ በዚ ድማ ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ኣብ ዓለም ብዝተፈላለዩ ስፖርታዊ ውድድራት ብምዕዋት ባንድራኦም ዘምበልበሉ ተጋሩ እውን ኣካል እቲ ጀኖሳይድ ኮይኖም እዮም ፡፡

ካብቶም ስፖርታዊ ውድድራት ድማ ሰርከስ ሓደ ከምዝኾነ መናእሰይ ሰርከስ ወወክማ መቐለ ይገሊፁ ፡፡ ይኹን እምበር  ብተግባር ፀላእቲ ዝሓረኑ መናእሰይ ሰርከስ ውክማ መቐለ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ንምዕዋትን ብፋሽሽታዊያን ዝዓነወት ትግራይ ዳግም ንምህናፅን ኣብ ሕውየት ስነ ልቦና ህፃናትን ምልዕዓል መናእሰይን ብምንቅስቓስ  እጃሞም ይፍፅሙ ከምዘለዉ ገሊፆም ፡፡

እቶም መናእሰይ ፀላእቲና ከም ህዝቢ ንምፅናትን ክብርታትና ታርኽናን ዋላእኳ እንተዕነይዎ ሓፅናዊ ፅንዓትን ብልሒን ዝሓለፉን ዘለዉን ታሪኽ ወለዶታት ሰንቕና ኩለመዳይ ቃልሲና ብምሕያል ትግራይ ብክእለትና ብምህናፅ ል ወርቃዊ ታርኽ ኮይንና ባንድራና ክነብልብላ ኢና ኢሎም።  

 ብበላይ ሽፈራው 

Previous article“ቁሉዕ ወራር ትግራይ ደው ይበል” ዲያስፖራ ትግራይ ነበርቲ ቴክሳስ ዳላስ
Next articleገበናት ፅንተት ዘርኢ ትግራይ