Home ዓለምለኻዊ ዜና ነበር ፕረዚደንት ፈረንሳይ ኒኮላስ ሳርኮዚ ተኣሲሮም።

ነበር ፕረዚደንት ፈረንሳይ ኒኮላስ ሳርኮዚ ተኣሲሮም።

69

መቐለ፥ጥቅምቲ 11/2018 ዓ.ም.(ቴሌቪዥን ትግራይ)

ነበር ፕረዚደንት ፈረንሳይ ኒኮላስ ሳርኮዚ ብምኽንያት ምጉዳል እምነት ህዝቢ ዝተውሃቦም ፍርዲ ሓሙሽተ ዓመት ከፈፅሙ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝኣተዉ ተገሊፁ።

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ 2007 ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ መረፃ ፈረንሳይ፥ ካብ መንግስቲ ነበር መራሒ ሊብያ ሙዓመር ጋዳፊ ገንዘብ ብምቕባል ውዲት ፈፂሞም ብዝብል ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብይን ሓሙሽተ ዓመት ከምዝተውሃቦም ይዝከር።

ገንዘብ ህዝቢ ሊብያ ንጎስጓስ መረፃ ካብ ዘውዕሉ ድሕሪ 18 ዓመታት ዝተኣሰሩ ሳርኮዚ ድሕሪ ካልኣይ ኵናት ዓለም ዝተኣሰረ ፈላማይ ፕረዚደንት ፈረንሳይ ኮይኖም ኣለዉ።

ነቶም ካብ 2007 ክሳብ 2012 ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ብፕረዚደንትነት ዝሰርሑ ፍርደኛ ጠሚቱ ኣብ ዝተኣከበ ርኢቶ፥ ማእሰርቶም ዝደገፈ ህዝቢ ከም ዝዛይድ ዘ-ጋርድያን ፀብፂቡ።

#ዲማ_ኣማረ