አብ ወረዳ ቆላ ተምቤን ንዝርከቡ ዝተፀገሙ ክፋላት ሕብረተሰብ ልዕሊ ሓደ ሚልየን ብር ሓገዝ ተጌሩ።
መቐለ፥መስከረም 30/2018 ዓ.ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)
ኣብ ወረዳ ቆላ ተንቤን ጣብያታት ደርነፀብ፣ መረረ፣ ነዊን ጉያን ንዝርከቡ 208 ፅጉማት ነፍሲወከፎም ናይ 5 ሽሕ ብር ሓገዝ ተበርኪቱሎም።
እቲ ዝተገበረ ሓገዝ ኣብ ኣውስትራልያ ካብ ዝቕመጡ ተወለድቲ ተምቤንን ግዱሳት ተጋሩን ዝተረኸበ ምዃኑ ነቲ ሓገዝ ሒዞም ዝመፁ ኣይተ ዘነበ ኪዳኑ ገሊፆም።

ሓላፊት ዘፈር ተጠቃምነት ወረዳ ቆላ ተምቤን ወ/ሮ አልጋሽ ኪዳኑ ብወገነን ዳያስፖራ ትግራይ ዝተፀገመ ወገኖም ንምሕጋዝ ዘካይዱዎ ፃዕሪ ብምንኣድ ሰናይ ተግባሮም ቀፃልነት ክህልዎ ተላብየን።
ነቲ ሓገዝ ዝተቐበሉ ወገናት እውን ንዝተገበረሎም ገንዘባዊ ድጋፍ ምስጋና ኣቕሪቦም ክብል ጉዳያት ኮሙኒኬሽን ዞባ ማእኸል ፀብፂቡ።



