Home ዓለምለኻዊ ዜና አዕንቲ ዓለም ሰለምንታይ ናብ ሞስኮን ዋሽንግተንን ኣፍጢጠን?

አዕንቲ ዓለም ሰለምንታይ ናብ ሞስኮን ዋሽንግተንን ኣፍጢጠን?

258

መቐለ፥ ሓምለ 30/2017 ዓ.ም. (ቴሌቭዥን ትግራይ

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኲናት ሩስያን ዩክሬንን ኣብ ሓፂር እዋን ንከብቅዕ ዝሃቡዎ ገደብ ግዜ ክውዳእ ይቀራረብ ምህላዉ ስዒቡ ልኡኽ ኣሜሪካ ስቲቭ ዊትኮፍ ምስ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ዘትዮም።

እቲ ሎሚ ሓምለ 30/ 2017 ዓ.ም. ኣብ ቤተ መንግስቲ ክረምሊን ዝተኻየደ ዕፁው ዝርርብ ኣስታት ሰለስተ ሰዓታት ከምዝወድአ መራኸቢ ማዕኸናት ሩስያ እናፀብፀባ እየን።

ብርክት ዝበሉ ምዕራባውያን ተንተንቲ፥ ሩስያ ኣብ ግንባራት ኲናት ልዕልነት ተኹሲ ንምርካብ መጥቃዕቲታት እናሐየለት ከላ፥ ብጎኒ ድማ ንዛተ እናበለት ግዜ ከምትዕድግ እዮም ዝጥርጥሩ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ብወገኖም፥ ሩስያ ነቲ ኲናት ብቕልጡፍ ደው እንተዘየቢላቶ ኣብ ልዕሊ ናብ ኣሜሪካ ዝኣትዉ ሸቐጣታ መቕፃዕቲ ታሪፍ ከምዘውርዱ እናተሓነዩ ቀኒዮም።።

ምምሕዳር ሞስኮ ንማዕዳ ፕረዚደንት ትራምፕ ጠንጠነለይ ክብል እንተኾይኑ እቶም መቕፃዕቲታት ኪኖ ታሪፍ ዝኸዱ ምዃኖም ግሁድ እናኾነ ይርከብ።

ድሮ’ኳ ሃገረ ህንዲ ብሰንኪ ካብ ሩስያ ትዕድጎ ነዳዲ ካብ ፅባሕ ሓሙስ ጀሚሩ ናብ ኣሜሪካ ትልእኾም ሸቐጣታ 25 ሚእታዊ ታሪፍ ክትከፍል ተወሲኑዋ’ሎ።

እዚ ተግባር ትራምፕ፥ ንቁጠባ ሩስያ ሰንሰን ንምባል ዝዓለመ ምዃኑ ተንተንቲ ፖለቲካ ኣብ ምግላፅ ይርከቡ።

ዋላ’ኳ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝበፅሕ ቁጠባውን ዲፕሎማሲያውን ፀቕጢ እናወሰኸ እንተመፀ ቪላድሚር ፑቲን ግና ዛጊድ ንድሕሪት ናይ ምምላስ ምልክት ኣየርኣዩን።

እቲ ካብ ዝጅመር ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ዘቑፀረ ኲናት፥ ኣማእቲ ኣሽሓት ወታሃደራትን ዓሰርተታት ኣሽሓት ሲቪላትን እንትቐዝፍ ብኣማእቲ ቢልዮናት ዶላር ዝግመት ንዋት ድማ ኣዕኒዩ’ሎ።

እዚ ካብ ክልቲኧን ሃገራት ሰጊሩ ንህዝቢታት ዓለም እውን ስምብራት ዘዕረፈ ኲናት ከብቅዕ ብፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝተውሃበ ገደብ ግዜ ዓርቢ ነሓሰ 02/2017 ዓ.ም. እዩ ክውዳእ።

ነዚ ድማ እዩ ዲፕሎማሲዶ ይስዕር ወይስ ኲናት ሩስያን ዩክሬንን ይቕፅል? ብዝብል አዕንቲ ዓለም ናብ ዋሽንግተንን ሞስኮን ኣፍጢጠን ዘለዋ።

ዝርርብ ስቲቭ ዊትኮፍን ቪላድሚር ፑቲንን ከመይ ከም ዝተዛዘመ ዝገልፅ ዛጊድ ዝተውሃበ ዕላዊ መብርሂ የለን፤ ከም ፀብፃብ ሲቢሲ ኒውስ።

#ዲማ_ኣማረ