ፅንተታዊ ኲናት ዝፈጠሮ ኣብ ከቢድ ማሕበረ-ቁጠባዊ ፀገማት ወዲቖም ዝርከቡ
ልዕሊ 180 ሽሕ ኣረጋውያን ንምድጋፍ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ክረባረቡ ቢሮ ማሕበራውን እግሪ ምትካልን ትግራይ ፀዊዑ።


እቲ ቢሮ ዓለም ለኸ መዓልቲ ኣረጋውያን ምኽንያት ብምግባር ምስ ማሕበር ኣረጋውያንን መድረግቲ ኣካላትን ዘተ ኣሳሊጡ።
እቲ ቢሮ “ምኽባር ባህግታት፡ መሰላትን ድሕንነትን ንኣረጋውያን”ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ብብርኪ ዓለም ን35 ግዜ፡ብብርኪ ክልል ድማ ን 33 ግዜ ዝኽበር ዓለም ለኸ መዓልቲ ኣረጋውያን ምኽንያት ብምግባር እዩ ዘተ ኣሳሊጡ።
ካብ ቢሮ ማሕበራውን እግሪ ምትካልን ትግራይን ትካል ሓባሲ ንብዓት ህዝቢ ጨንፈር ትግራይን ኩነታት ኣረጋውያን ትግራይ ኣመልኪቶም ፅሑፍ ዘቕረቡ ኣይተ ዮውሃንስ ግደይን ሃፍታይ ኣሰፋን ብሰንኪ ፅንተታዊ ኲናትን ትሑት ኣዋህባ ግልጋሎትን ምምሕዳራዊ በደላትን ኣብ ድሕንነቶምምን ጥዕነኦምን ኸበድቲ ፀገማት ይበፅሖም ከምዘሎ ገሊፆም።

ኣረጋውያን ኣብ ኣፈታትሓ ጎንፂ፡ምውሓስ ሰላምን ካልኦትን ተሞኩሮታቶም ንከሕልፉ ንዕኦም ዘድልዮ ፖሊስታት ክወፁን ክንክን ክግበረሎምን ከም ዝግባእ ኣገንዚቦም።
ኣቦ መንበር ማሕበር ኣረጋውያን ትግራይ ሻለቃ ተስፋይ ሃብትይመር ኣረጋውያን ካብ ድኽነትን ተፀባይነትን ወፅዮም ኣብ ልሞዓት ዓዶም እጃሞም ክፍፅሙ ሓገዝ ክግበረሎም ፀዊዖም።
ምክትል ሓላፊ ቢሮ ማሕበራውን እግሪ ምትካልን ትግራይ ኣይተ ገ/ስላሴ ታረቀ ፅንተታዊ ኲናት ትግራይ ስዒቦም ብዝመፁ ማሕበረ ቁጠባዊ ቅልውላዋት ብዙሓት ኣረጋውያን ግዳይ ሞት ኾይኖም ልዕሊ180 ሽሕ ኣረጋውያን ድማ ኣብ ኸቢድ ማሕበረ-ቁጠባዊ ፀገማት ወዲቖም ከምዝርከቡ ገሊፆም።

መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ኣረጋውያን ካብቲ ፀገም ንክወፁ ብቱኽረት ክሰርሑ እውን ፀዊዖምኣይተ ገ/ስላሴ።
ዝተፈላለዩ ትካላት ንኣረጋውያን በቢ ዓቕሞም ይሕግዙ ምህላዎም ዝተገለፀ እንትኾን ትካል ምግባረ ሰናይን መዕበዪ ህፃናትን ሙሉ ካብ ማሕበር ቅድስት ማርያም ዲቦ ዝረኸቦ 91ሽሕ ብር ንኣረጋውያን ኣበርኪቱ እዩ።



