Home ቢዝነስ ኣብ ትግራይ ሓደ ቶን ወርቂ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ንምርካብ ከባቢ 140 ሄክታር መሬት...

ኣብ ትግራይ ሓደ ቶን ወርቂ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ንምርካብ ከባቢ 140 ሄክታር መሬት ይፋሓር – መፅናዕቲ ክፍሊ ትምህርቲ ስነ ምድሪ ዩንቨርስቲ መቐለ

703

መቐለ፥ ሓምለ 30 /2017 ዓ.ም. (ቴሌቭዥን ትግራይ)

ኣብ ትግራይ ሓደ ቶን ወርቂ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ንምርካብ ከባቢ 140 ሄክታር መሬት ከምዝፋሓር ክፍሊ ትምህርቲ ስነ ምድሪ ዩንቨርስቲ መቐለ ዘካየዶ መፅናዕቲ ኣመላኺቱ።

ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ሃፍቲ ማይ ኢሉውን ሃፍቲ ተፈጥሮ ትግራይ ዝበፅሐ ዕንወት መሰረት ገይሩ ዝተኻየደ እቲ መፅናዕቲ ብኣብዝሓ ማእኸል ኩናት ኣብ ዝነበራ ከባብታት የጭላ፣ ማይቅነጣል፣ ዓዲ ዳዕሮ፣ ደብረ ኣባይን ቶጎጋን ዝዳህሰሱ እዩ።

ከም ገለፃ ኣባል እቲ ጉጅለ መፅናዕቲ ፕሮፌሰር ሙሩፅ ሓጎስ ፦ ትግራይ ቅድሚ ኲናት ኣብ ዝነበሩ 30 ዓመታት ብዝተኻየዱ ስራሕቲ ሃፍቲ ተፍጥሮ እቲ መፅናዕቲ ኣብ ዝሸፈኖም ከባብታት ሽፍን ደኒ ከባቢ 13.51 በፂሑ ዝነበረ ኾይኑ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ብዘጋጠመ ከቢድ ዕንወት ግና ናብ 10.5 ወሪዱ እዩ።

ብመሰረት ውፅኢት እቲ መፅናዕቲ ሕ/ሰብ ንሕርሻን ንካልኦት ንዝተፈላለዩ ግልጋሎታት ብዝብል ዘብርሶም ኣግራባት፣ዘይሕጋዊ ዕደና ወርቅን ንዕኡ ተባሂሎም ኣብ ግልጋሎት ዝውዕሉ ኬሚካላትን ኣሲዳትን ሃፍቲ ተፈጥሮ ትግራይ ሙሉእ ንሙሉእ እናቀየርዋ ይርከቡ ይብል እቲ መፅናዕቲ።

ሕዚ ብዘሎ ጭቡጥ መረዳእታ ሓደ ቶን ወርቂ ንምርካብ እስካብ 140 ሄክታር መሬት ከም ዝፍሓርን ከምዝበርስን ዝገለፁ ፕሮፌሰር ሙሩፅ እዚ ድማ ኣብ ዓመት ንዝእከብ ከባቢ 16 ቶን ወርቂ ንምርካብ ተባሂሉ ከባቢ 2240 ሄክታር መሬት ትግራይ ይፍሓር ከም ዘሎ ገሊፆም።

ዘይሕጋዊ ዕደና ወርቂ ሕዚ ብዘሎ ጭቡጥ መረዳእታ በቢ ኸባቢኡ እናተባኣኣሰ ይኸድ ብምህላዉ፥ ካብ ናይ ፓሊሲ ለውጢ ጀሚርካ ኣብ ዝሓፀረ ግዘ ህዝቢ ኣተሓባቢርካ ስነ- ተፈጥሮን ነባራይ ከባቢ ትግራይ ኣብ ምሕላው ምስራሕ ከምዝግባእ እቲ መፅናዕቲ የርድእ።

#ሰምሃል_መኮነን