Home ዜና ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ርዕደ መሬት ኣብ ውሽጢ 20 ዓመታት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ...

ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ርዕደ መሬት ኣብ ውሽጢ 20 ዓመታት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ እቲ ዝዓበየ እዩ – ፕሮፌሰር ምሩፅ ሓጎስ

173

መቐለ፥ ጥቅምቲ 02/2018 ዓ.ም. (ቴሌቪዥን ትግራይ)

ትማሊ ባሕቲ ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ዘጋጠመ ርዕደ መሬት ኣብ ውሽጢ 20 ዓመታት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ እቲ ዝዓበየ ምዃኑ መምህርን ተመራማርን ስነ ምድሪ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ፕሮፌሰር ምሩፅ ሓጎስ ገሊፆም።

ፕሮፌሰር ምሩፅ ሓጎስ ምስ ቴሌቪዥን ትግራይ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፥ ርዕደ መሬት ብምኽንያት ምግርጫው ዓበይቲ ኣካውሕ ኢሉ እውን ምስንጣቕ መሬት ዝፍጠር ምዃኑ ኣብሪሆም።

ትግራይ ኣብ ጫፍ ምዕራብ ሓጓፍ ሽንጥሮ ዓፋር ከም ትርከብ ዝገለፁ ፕሮፌሰር ምሩፅ፥ ነዚ ስዒቡ ድማ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ከባብታት ዛላንበሳ፣ ዓዲ ግራት፣ መቐለ፣ ውቕሮ፣ ማይጨውን ኣላማጣን ብተደጋጋሚ ብርዕደ መሬት ተጠቃዕቲ ዝኾናሉ ዕድል ከም ዘሎ ገሊፆም።

ኣብ ትግራይ ካብ ትማሊ 9 ሰዓት ጀሚሩ ተደጋጋሚ ርዕደ መሬት ከም ዘጋጠመ ዝገለፁ ፕሮፌሰር ምሩፅ፥ ብፍላይ ኣብ ምሸት ሰዓት 1፡20 ዘጋጠመ 5.6 ሬክተር ስኬል ዝተመዝገበ ርዕደ መሬት ኣብ ውሽጢ 20 ዓመታት ኣብ ሰሜን ኢትየጵያ እቲ ዝዓበየ ምዃኑ ሓቢሮም። እቲ ኽስተት 48/49 ኪሎ ሜትር ኣየር ርሕቐት ዘጋጠመ ብምዃኑ ናብ ከተማ መቐለ ኣዝዩ ዝቐረበ ክኸውን ገይርዎ እዩ ኢሎም።

ካብ 2015 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ዝሓለፉ 3 ዓመታት ኣብ ትግራይ ብተደጋጋሚ ዘጋጠሙ ተመሳሰልቲ ተርእዮታት ከም ዝነበሩ ዝገለፁ እቶም ፕሮፌሰር፥ እዚ ድማ በቢእዋኑ ምስ ዝለዋወጥ ባህሪ ርዕደ መሬት ተኣሳሲሩ ዝፍጠር ምዃኑ ገሊፆም።

ትግራይ ምስ ዘለዋ ኣቀማምጣ መሬት ተተሓሒዙ ርዕደ መሬት ብተደጋጋሚ ከጋጥመሉ ዝኽእል ዕድል ከም ዘሎ ዝገለፁ ፕሮፌሰር ምሩፅ ኣብ ከምዚኦም ዝበሉ ኣጋጣምታት ሕብረተ ሰብ ዓምዲታት ሒዙ ደው ክብል፣ እቲ ርዕደ መሬት ደው ክሳብ ዝብል ኣብ ሓደ ቦታ ደው ክብልን ወዲቖም ጕድኣት ከብፅሕሉ ካብ ዝኽእሉ ናውትታት ክርሕቕን ኣገንዚቦም።

ርዕደ መሬት ተፈጥራዊ ክስተት ደኣምበር ምስ ተግባርን ባህርን ወዲሰብ ከም ዘይተሓሓዝ ዝገለፁ ፕሮፌሰር ምሩፅ፥ ሕብረተሰብ ብልምዲ ምስ ሃይማኖት ብምትእስሳር ዘልዕሎም ትንታነታት ግና ሓቃውነት ዘይብሎም ምዃኖም ገሊፆም።

ፍርቂ መሬት ትግራይ ብርዕደ መሬት ናይ ምጥቃዕ ዕድል ከም ዘለዎ ዝገለፁ ፕሮፌሰር ምሩፅ፥ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ዝህነፁ መሰረተ ልምዓት፣ ዓበይቲ ግድባትን ህንፃታትን ነዚ ክፃወሩ ብዘኽእሎም መንገዲ ክኾኑ ከም ዝግባእ ኣገንዚቦም።

#ሰምሃል_መኮነን