Home ዜና ውሽጢ ዓዲ ኣብ ክንክን በለስን ምክልኻል ሓደግኡን ትዅረት ገይሮም ከም ዝሰርሑ ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ...

ኣብ ክንክን በለስን ምክልኻል ሓደግኡን ትዅረት ገይሮም ከም ዝሰርሑ ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ገሊፆም።

196

መቐለ፥ ነሓሰ 09/2017 ዓ.ም. (ቴሌቪዥን ትግራይ)

እዚ ዝተብሃለ ኣብ ምድሓን በለስ ትዅረት ገይሩ ኣብ ከተማ ዓዲግራት ኣብ ዝተኻየደ ዘተ እዩ።

ካብ በለስ ክንረኽቦ ንኽእል ረብሓ ብሓደጋ ሓሰኻ በለስ ኩችኔል ስለ ዝተሃሰየ ኣብ ክንክን በለስን ምክልኻል ሓደጋን ትዅረት ገይሮም ከም ዝሰርሑ ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ዶክተር ኣብርሃም ሓጎስ ገሊፆም።

እዚ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ፌስቲቫል በለስ ድማ ነቲ ዘንፀላለወ ሓደጋ መፍትሕታት ኣብ ምንዳይ እምነ ሰረት ዘንብር እዩ ኢሎም።

ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ ዶክተር ኢያሱ ኣብርሃ ከም ዝገለፅዎ፣ ኣብ ሕርሻ ለውጢ ከየምፃእኻ ብመጠን ይኹን ብፅሬት ዝረጋገፅ ውሕስና ምግቢ ከም ዘይህልው ኣረዲኦም።

ሓደጋ ሓሰኻ በለስ ኩችኔል ኣብ ምክልኻል ካብ ብመራኸቢ ማዕኸን ምምዳር ዝዘለለ ኣብ ተግባር ውፅኢታዊ ስራሕ ክስራሕ ከም ዘለዎ እውን ዶክተር ኢያሱ ኣገንዚቦም።

ኣምባሳደር ሜክሲኮ ኣብ ኢትዮጵያ ኣሌጃንድሮ ኢስቲቪ፣ ሃገሮም ኣብ ተኽሊ በለስ ዘጋጠመ ሓደጋ ንምጥፋእ ኵለ መዳያዊ ኣበርክቶ ከም ትገብር ገሊፆም።

ምክትል ፕረዚደንት ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት ዶክተር ገብረኪዳን ተስፋይ፣ ፀጋ በለስ ዘላቒ ንምግባር ኣብ ብሳይንሳዊ መንገዲ ዝተደገፈ መፅናዕቲ ምክያድ ኣገዳሲ ስለዝኾነ ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት ረዚን ሓላፍነት ወሲዱ ይሰርሕ ከም ዘሎ ኣገንዚቦም።

ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ዶክተር ኣፅብሃ

ገብረእግዚኣብሄር፣ ሕርሻ ተኮር ቱሪዝም ትግራይ ብምዝማን ናብ ረብሓ ምውዓል የድልይ ኢሎም። ዓለም ለኸ ማእኸል ዝገበረ ተሞክሮ ብምስፍሕፋሕ በለስ ምድሓን ከም ዝከኣል እውን ሓቢሮም።

ኣካቢ ቦርድ በለስ ቴክ ኣይተ ዮሱፍ ራጅኡ፣ ሳይንሳዊ ዋዕላ በለስ ምስላጥ ኣብ ሕውየት ሓደጋ በለስ ዝለዓለ እጃም ከም ዝህልዎ ሓቢሮም።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ላዕለዎት ኣመራርሓ ጊዜያዊ ምምሕዳር ትግራይ፣ ምሁራን ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት፣ ምምሕዳር ዞባ ምብራቕ ትግራይ፣ ምምሕዳር ከተማ ዓዲግራትን ወረዳ ጋንታ ኣፈሹምን፣ በለስ ቴክን ካልኦት መድረግቲ ኣካላትን ከም ዝተሳተፉ ጕዳያት ኮምዩኒኬሽን ዞባ ምብራቕ ትግራይ ፀብፂቡ።