ጉባኤ ህዝባዊ ርክባት ትግራይ “ኣገብእ ንውሕስና ብሄር” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ናይ ሓፂር፣ ማእኸላይን ነዊሕን እዋን መዋፀኦታት ትግራይ ጠሚቱ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ይዝትይ ኣሎ።
ኣብቲ ዘተ ተረኺቦም መደረ ዘስምዑ ፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ታደሰ ወረደ፥ ትግራይ ንናይ ደገ ፀላኢ ክትሳጣሕ ዝገብር ዘሎ ውሽጣዊ ፀገም ትግራይ ከምዝኾነ ገሊፆም።
ንብዙሕ ጊዜ ካብ ደገ ንዝመፅእ ፀገም ክንጥምት ፀኒሕና ኢና ዝበሉ ፕረዚደንት ታደሰ ዋና ፀገም ኮይኑ ዘሎ ግን ኣብ ውሽጢ ዘሎ ፀገም እዩ ኢሎም።
“ኣብ ውሽጥና ዘሎ ፀገም ፈጠርቱ ባዕል፣ ተዋሳእቲ ባዕልና፣ ፈታሕቱ እዉን ባዕልና ኢና” ዝበሉ ፕረዚደንት ታደሰ፥ ግድን ክፍታሕ ዘለዎ ጉዳይ ከምዝኾነን ነቲ ፀገም ኣብ ምፍታሕ ጉባኤ ህዝባዊ ርክባት ትግራይ እጃሙ ክዋፃእን ፀዊዖም።
ፕረዚደንት ታደሰ፥ ምስሊ ትግራይ ኣብ ምምላስ ይኹን ምስ ፌደራል መንግስትን ካልኦት ናይ ውሽጥን ደገን ኣካላት ዘሎ ዝምድናን ጉርብትናን ንምጥንኻር ዝተሰርሐ ስራሕ እውን ክጠናኸር ዘለዎ ምዃኑ ኣብሪሆም።
ፀገማት ትግራይ ኣብ ጠረጴዛ ኮይንካ ንምፍታሕ ዝግበር ፃዕሪ ወሳኒ ምዃኑ ዝገለፁ እቶም ፕረዚደንት፥ ጉባኤ ህዝባዊ ርክባት ትግራይ ፀገማት ብዘተን ሰላማዊ መገዲን ንምፍታሕ ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ንኢዶም።
ኣካቢ ቦርድ ጉባኤ ህዝባዊ ርክባት ትግራይ ኣባ ጥዑም በርሀ ብወገኖም ትርጉም “ኣገብእ” ገብኣ ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ቃል ዝመፀ ኮይኑ ትርጉሙ ድማ ስነ-ስርዓት፣ ሜላ፣ ጥበብ፣ ደምቢ፣ ከይዲ ማለት ከምዝኾነ ኣረዲኦም።
ዕላማ ጉባኤ ህዝባዊ ርክባት ትግራይ ድማ ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ዝሳተፉላ ፍትሕን ማዕርነትን ዝሰፈነላ ትግራይ ንክትህሉ ምግባር ምዃኑን
እዙይ ንክጋሃድ ሕብረት፣ ሓድነትን ስምረትን ከምዘድሊን ገሊፆም።
ኣባል ቦርድ ጉባኤ ህዝባዊ ርክባት ትግራይ በዓል ሃፍቲ ኣይተ ዘርኡ ገብረሊባኖስ ፀገም ትግራይ ንክፍታሕ ካብ ኣነነትን ውልቃውነትን ብምውፃእ ዓድን ህዝብን ምድሓን ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።
ኣብቲ ዋዕላ ብጉባኤ ህዝባዊ ርክባት ትግራይ ዝተዳለወት መፅሄት ብፕረዚደንት ታደሰ ወረደ ብዕሊ ተመሪቓ።



