Home ዜና ውሽጢ ዓዲ ኣብ ዓባይ ብሪታንያ ዝነብሩ ዲያስፖራ ትግራይ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ክትግበር ዝፅውዕ ሰላማዊ ሰልፊ...

ኣብ ዓባይ ብሪታንያ ዝነብሩ ዲያስፖራ ትግራይ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ክትግበር ዝፅውዕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

57

ኣብ ዓባይ ብሪታንያ ከተማ ለንደን ዝርከቡ ዲያስፖራ ትግራይ 5ይ ዓመት ወራር ፅንተት ምክንያት ብምግባር ስምምዕነት ፕሪቶርያ መሊኡ ክፍፀምን ፍትሕን ተሓታትነትን ክነግስን ዝፅውዕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ዝኽሪ 5ይ ዓመት ኣብ ልዕሊ ትግራይ ቕሉዕ ፅንተታዊ ኲናት ዝተጀመረሉ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ከባቢ ፓርላማ ዓባይ ብሪታንያ ለንደን ኣብ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ፣ፍትሕን ተሓታትነትን ይንገስ፣ብሓይሊ ተወሪሩ ዝርከብ መሬት ትግራይ ናብ ብዓል ዋንኡ ይመለስ፣ወረርቲ ሓይልታት ካብ ትግራይ ይውፅኡ ክብሉ ድምፆም ኣስሚዖም።

ብመሰረት ስምምዕነት ፕሪቶርያ ተመዛባልትን ስደተኛታትን ተጋሩ ብውሑስ መንገዲ ናብ መረበቶም ይመለሱ፣ ሰላሕታዊ ፅንተት ጠጠው ይበል ዝብሉ ጭርሖታት ብምግዋሕ ድምፆም ኣስሚዖም።

ዝተፈፀመ ፅንተት ንከይድገም ድማ ማሕበረሰብ ዓለም ክሰርሕ ፀዊዖም።

መንግስቲ እንግሊዝ ኢሉ ኣውን ማሕበረሰብ ዓለም ንተፈፃምነት ውዕሊ ፕሪቶርያ ፅዕንቶ ክገብሩ እውን ሓቲቶም።

ፍትሕን ተሓታትነትን ክሳብ ዝረጋገፅን ዘላቒ ሰላም ክሳብ ዝሰፍንን ቓልሶም ከምዝቕፅሉሉን ምጥንኻር ሓድነት ተጋሩ ቑልፊ ጉዳይ ምዃኑን ድማ ኣስሚሮምሉ ገሊፆም እቶም ሰልፈኛታት።

ዝኽሪ 5ይ ዓመት ወራር ፅንተት ምኽንያት ብምግባር ስነ -ስርዓት ምውላዕ ጥዋፍ ከም ዘካየዱ እውን ድወት ፀብፂቡ።