Home ዜና ውሽጢ ዓዲ ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ውሱን ናይ ምምሕዳር ለውጢ ይግበር ኣሎ-ፕረዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር...

ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ውሱን ናይ ምምሕዳር ለውጢ ይግበር ኣሎ-ፕረዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ

302

መቐለ፥ ሓምለ 15/2017 ዓ.ም. (ቴሌቪዥን ትግራይ)

ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ዝተወሰነ ናይ ምምሕዳር ለውጢ ይግበር ከምዘሎ ፕረዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ገሊፆም።

ፕረዚዳንት ታደሰ ወረደ ነዚ ዝበሉ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኣመልኪቶም ንጋዜጠኛታት መብርሂ ኣብ ዝሃብሉ ጊዜ እዩ።

ኣብቲ ዞባ ዝነበሩ ሓለፍቲ ምምሕዳር ካሊእ ናይ ስራሕ መድብ ኣብ ክልል ብተመሳሳሊ ደሞዝን ጥቕማ ጥቕምን ተዳልይሎም ከምዘሎ ተዛሪቦም።

ነዙይ ንምትግባር ፖሊስ ከምዝተላእኸን እቲ ዝግበር ዘሎ ናይ ምምሕዳር ለውጢ ሰላማዊ ብዝኾነ መንገዲ ይሳለጥ ከምዘሎ ገሊፆም።

ኣብቲ ዞባ ኣይተ ኣስመላሽ ረዳ ኣተሓባበሪ፣ ንጉሰ ኣበጀ (ወዲ ራያ ) ናይ ፀጥታ ሓላፊ፤ ኣይተ ካልኣዩ ግደይን ወይዘሮ ኣለምን ብግዝያውነት ሓላፍነት ከምዝተዋህቦም ገሊፆም።

ለውጢ ኣመራርሓ ኣድላዪ ዝኾነሉ ምኽንያት ብቐፃልነት ዘስዕቦ ሓደጋ ንምትራፍን ናይ ትግራይ ፀገም ንምፍታሕን እዩ።

እቲ ምንቅስቃስ መንግስቲ ግድን ክገብሮ ዘለዎ ስራሕ ኢና ንሰርሕ ዘለና እዙይ ግን ዝኾነ ንምፅራግ ዝዓለመ ከምዘይኮነ ክፍለጥ ኣለዎ ኢሎም።

ስለዝኾነ ህዝቢ፣ መናእሰይ፣ ምልሻን ካልኦትን ተሓባበርቲ ክኾኑ ፃዊዒት ኣቕሪቦም።

#ይብራህ_እምባየ