ካብዚ ቀረባ እዋን ጀሚሩ ንሰላማዊን ፖለቲካዊን መስርሕ ዝህውኹ ምዕባለታት፣ ንውዕል ፕሪቶርያ ዝጎድኡ ምንቅስቃሳት ንዕዘብ ኣለና።
ትግራይ ንምህዋኽን ነኒባዕልና ንምድማይን ኮነ ተባሂሉ ኣብ ዓፋር ዕጡቃት ክውደቡን ክዕጠቑን ጥጡሕ ባይታ ብምፍጣር ፣ ብምድጋፍን ተልእኾ ብምሃብን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ተደጋጋሚ ፃሕታሪ ምንቅስቃስ ክግበር ፀኒሑን ኣሎን። እዚ ብስም “ሓራ መሬት” ኣብ ዓፋር ዝርከብ ዕጡቕ ሓይሊ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብተደጋጋሚ፣ ኣብዚ ዓመት እዚ ድማ ቅድም ኢሉ ብኣንፈት ኮነባን ዓብዓላን ብተደጋጋሚ ምትንዃይ ክፍፅም ዝፀንሐ ኮይኑ፣ ናይዚ መቐፀልታ ኣብዚ ቅነ ድማ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ደቡብ ትግራይ ራያ ዓዘቦን ራያ ጨርጨርን ምስ ህዝብን ሰብ ሃፍትን ዝሓዞ ናይ ልምዓት ዘተ ንምትዕንቓፍ ካብ መጋለን ቶንሳን ተበጊሶም ኣብ ደደርባን ኣብ ፃሓፍትን ገረብኣገውን ኣመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳር ክሓልፍሉ ዝተገመተ መስመር መቀለ መኾኒ ንምህዋኽ ዝኽእሉ ተግባራት ክፍፅም ቀንዩ እዩ። ህዝብን ግዝያዊ ምምሕዳርን ትግራይ ግን ውሽጣዊ ፀገማትና ብልዝብ ንምፍታሕን ንሕውነትን ጉርብትናን ክልቲኡ ህዝቢ ክብሪ ብምሃብን እቲ ፀገም ብሰላማዊ መንገዲን ብዘተን ንምፍታሕ ካብ ዘለዎም ዘይተኣደነ ባህግን ነቲ ኩነታት ካብ ምግላፅ ተቆጢቦም ፀኒሖም እዮም። ሕዚ እውን ብወገን ትግራይ ክፍጠር ዝደለ ህውከት ይኹን ዘይምርግጋዕ ክህሉ ብፍፁም ኣይደልን።
እቲ ሓቂ እዚ እናሃለወ፣ ፀገም ዝፈጥር ዘሎ ኣካል ተመሊሱ ከሳሲ ብምዃን፣ ትማሊ ሮቡዕ 26 ጥቅምቲ 2018 ዓ/ም ቢሮ ኮምኒኬሽን ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ዓፋር ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፣ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ፣ ናብ መሬት ዓፋር ዘሊቖም ከምዝኣተውን ጥቕዓት ከምዝፈፀሙን ገሊፁ ኣሎ። እንተኾነ እዚ መሰረት ዘይብሉን ዝተረገፀ ወሰን ዓፋር ከምዘየለን ብግልባጡ ዝፍፀም ዘሎን ተግባር ንሰላማዊን ታሪኻዊን ሕውነትን ጉርብትናን ክልቲኡ ህዝቢ ዘይምጥንን ኣብ ቀውዒ እዋን መሪፅካ ህዝቢ ትግራይ ንምጉዳእ ዝተወጠነ ክፍኣት ምዃኑ ጉሁድ እዩ።
ብወገን ፌደራል መንግስቲ ውዕል ፕሪቶሪያ ብኣግባቡ ክፍፀም ብዘይምግባሩ፣ ሰላማዊ ከይድን ምትእምማን ካብ ምጉዳእ ሓሊፋ መከራን ሰቃይን ህዝብናን ክቕፅል ዝገብር፥ ብውፅኢቱ ድማ ንመስርሕ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ዝህውኽ ምዃኑ ግልፂ እዩ። እዚ ድማ ሰላም ኢትዮጵያን ከባቢናን ዝህውኽን ዘይተደለየ ዳግማይ ጥፍኣት ዘስዕብ መንገዲ ዕንወት እዩ።ሰለዝኾነ ውዕል ፕሪቶርያ ብዘይውዓል ሕደር ክፍፀም፣ሕገ መንግስታዊ ወሰን ትግራይ ክረጋገፅን ህዝብና ውሕስንኡ ተሓልዩ ናብ መረበቱ ክምለስ ክግበርን ውሽጣዊ ፀገማትና ብምግዳድ ትግራይ ንምድኻም ዝግበር ምንቅስቃስ ተኣሪሙ ብዝሰኸነ መንገዲ ናብ ዘተን መፍትሕን ክንኣቱ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ደጊሙ ፃውዒቱ የቕርብ።
ብካልእ ገፅ፣ነቲ ዝረአ ዘሎ ፀገማት ከም ዕድል ብምጥቃም ውሽጣዊ ፀገምና ክተሓላለኽ፥ ትግራይ ዳግም ዓውደ ኲናትን መዝሓሊ ዓረርን ክትከውን ንምግባር ብፍላጥ ኮነ ብዘይፍላጥ ዝግበሩ ዘለው ምንቅሳቓሳት መሰረታዊ ረብሓን ድሕንነትን ትግራይን ህዝባን ጠቕሊሉ ዝጎድእ ተግባር እዩ ። ስለዚ ነቲ ሓደ ይኹን ነቲ ካሊእ እናደገፍካን እናታሓዘልካን ትግራይ ዓውደ ውግእ ንምግባር ትፅዕሩ ዘለኹም ኣካላት፤ ዝተፈላለየ ምኽንያት ተጠቂምካ ኣብ ውሽጥና ምጥርጣር ክሰፍሕን ትእዛዝ ዋሃብትን ዝኾንኩም ኣካላት ካብ ተግባርኩም ክትቁጠቡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብጥብቂ የተሓሳስብ።
ፀገም ትግራይ ብዘላቕነት ዝፍታሕ ኣብ ትግራይን ብተጋሩን እዩ ዝብል ፅኑዕ እምነት ዘለዎ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፣ ብምኽንያት ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ፀገም፣ ናይ ሓሳብ ኣፈላላይ ምፍጣሩ ንቡር ምዃኑ ኣብ ግምት ብምእታው፣ ፀገምና ብዘተን ኢህን ምሂንን ንምፍታሕ ዘለዎ ቁፀኝነት እናረጋገፀ፣ ኹሉ ኣፈላላይ ዘለዎ /ዝተዓጠቐ ይኹን ዘይተዓጠቀ ፀገማትና ካብ ልዝብን ምርድዳእን ወፃኢ ትግራይ ዝጠቅም ካሊእ መፍትሒ የለን።ብሓይልን ሂወት ብምኽፋል ዝልወጥ ኩነታት ኣይህሉን።
ሕዚ’ውን ዘላቂ ውሕስናን ነባሪ ሰላምን ብዘተኣማምን መንገዲ ዝረጋገፅ ውዕል ፕሪቶርያ ኣጥብቕካ ብምፍፃም ምዃኑ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብፅኑዕ ይኣምን። ስለዚ ምስ ፌዴራል መንግስቲ ዘለና ርክብ ንምጉልባትን ውዕል ፕሪቶርያ ብዘይውዓል ሕደር ንምፍፃምን ዘለዎ ድልውነት ደጊሙ የረጋግፅ።
ኣብ መወዳእታ መላእ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ውሽጥን ወፃእን፣ ሕዚ ተረኺባ ዘላ ኣንፃራዊ ሰላም ንምዕቃብን ንምዕሟቕን፣ ብሄራዊ ሓድነትካ ንምድልዳልን ክትቃለስ እናዘኻኸርና፣ በዚን በቲን ብዝብተን ወረን ካብ ኹናትን ጥፍኣት ትግራይን ተረባሕቲ ኢና ኢሎም ድቃስ ዝሳኣኑ ነውራማት ዝፈጥርዎ ዘይምርግጋዕ ከይተረበሽካን ተረጋጊዕኻን ኣብ ዕለታዊ ስራሕኻ ማእኸል ገይርካ ክትረባረብ በዚ ኣጋጣሚ ንፅውዕ።
ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ኣብ ጎኒ ፍትሓዊ ሕቶ ህዝቢ ጠጠው ኢልኩም፣ ወፅዓ ህዝቢ ክስማዕ፣ እቲ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ብውዕል ፕሪቶሪያ ክግታእ ታሪኻዊ ኣበርክቶ ፈፂምኩም ኢኹም፣ ህዝብን ግዝያዊ ምምሕዳርን ትግራይ ዘለዎም ምስጋና እናገለፁ፣ ሕዚ’ውን ውዕል ፕሪቶሪያ ብኣግባቡ ክፍፀምን ዘላቕን ነባርን ሰላምን ድሕንነትን ኢትዮጵያን ከባቢናን ክረጋገፅ ኣወንታዊ ኣበርክቶኹም ክትቕፅልሉ ንፅውዕ።
ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ
27 ጥቅምቲ 2018 ዓ/ም
መቐለ



