መቐለ፥ጥቅምቲ 07/2018 ዓ.ም. (ቴሌቭዥን ትግራይ)
ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሎሚ ጥቅምቲ 07/2018 ዓ/ም ኣብ ዘካየዶ ህፁፅ ኣኼባ ደምቢ መሰልን ተጠቃምነትን ሓይሊ ፀጥታ ትግራይ ብዝርዝር ዘትዩ ተግባራዊ ንክኸውን ብሙሉእ ድምፂ ከምዘፅደቐ ተፈሊጡ።
እቲ ዝፀደቐ ደንቢ መሰረታዊ ድልየታት፣ ኣገልግሎት ሕክምና፣ መስርሒ መንበሪ መሬት፣ ኣብ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ክብሪ ኣወሃህባ ኣገልግሎታት፣ ትምህርትን ስልጠናን ወዘተ ዝምልከቱ ተጠቃምነት ዝሓዘ ምዃኑ ተሓቢሩ።
መሰል ተጠቃምነት ኣባላት ሓይሊ ፀጥታ ንምርግጋፅ ንነዊሕ እዋን መፅናዕቲ ዝተገበረሉን ምስ ዝምልከቶም ኣመራርሓ ሓይሊ ፀጥታ ምይይጥ እናተኻየደሉ ዝፀንሐን ምዃኑ ቤትፅሕፈት ፕረዚደንት ፀብፂቡ።
ካቢኔ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጥቅምቲ 5/2018 ዓ/ም ኣብ ዘካየዶ ህፁፅ ኣኼባ ተጠቃምነት ሓይልታት ዝምልከት ዝቐረበ ረቂቕ ደምቢ ዘትዩ ናብ ዝምልከቶ ኣካል መሪሕዎ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።



