Home ዜና መግለፂ ወታደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ

መግለፂ ወታደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ

1138
0

_______

11 ነሓሰ 2014 ዓ/ም

ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ትግራይን መንግስቲ ኢትዮጵያን ብሳልሳይ ወገን  ኣቢሉ ብዝተበፅሐ ናይ ተናፀል ሰብኣዊ ተፃብኦ ደው ምባል ምርድዳእ መሰረት ንዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ኣብ ሞንጎ  ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያን ሰራዊት ትግራይን  ግጭት ደው ኢሉ ከምዝፀንሐ ህዝቢ ትግራይ፣ ህዝብታት ኢትዮጵያን መላእ ዓለመን ዝፈልጥዎ ጉዳይ እዩ፡፡

እቲ ዝበፅሐ ተፃብኦ ደው ምባል ነቲ ናብ ኩናት ዘብፀሐ ፖለቲካዊ ምኽንያት ናብ ምፍታሕ ዘኽእል ድርድር ንምዕባይ ሕብረት ኣፈሪካን መላእ ዲፕሎማቲክ ማሕበረሰብ ዓለምን ዘይተሓለለ ፃዕርታቶምዘይተሓለለ ፃዕርታቶም ናቀፀሉ ከምዝፀንሑን ከምዘለዉን ግሁድ ኮይኑ ንኹሉ ፃዕርታቶት  ዘለዎ  ናእዳ እውን  ወታደራዊ ኮማንድ  ሰራዊት ትግራይ  ከይገለፀ ኣይሓለፍን፡፡  

መንግስቲ ትግራይ  ንሰላም ዘለዎ ፅኑዕ ቅዋም መሰረት ገይሩ ብዝሃቦ ኣንፈት መሰረት ናይ ሰላም ምማረፂ ፀንቂቁ ክሳብ ዝውዳእ  ሰራዊት ትግራይ  ንዝኾነ ዓይነት  ወታደራዊ ግጭት ምኽንያት ከይኸውን ልዑል ጥንቃቐ እናገበረ ፀኒሑ እዩ፡፡

  እዚ ኾይኑ  ብዕለት 9 ነሓሰ ምዕራብ ትግራይ  ዘይድፈር  ናይ ሓፂን ምክልኻል ፈጢረ እየ  ዝብል ዘሎ ሰራዊት ምክልኻል  ኢትዮጵያ  ኣብ ደደቢት ኣንፈት  ኣብ ልሙድ ናይ ምክልኻል ተግባሩ  ኣብ ልዕሊ ዘሎ ሓይሊ ሰራዊት ትግራይ ካብ 10፡ 00 ድሕሪ ቀትሪ ጀሚሩ ንሓደ ሰዓት  ዝፀንሐ ናይ ከቢደ ብረታትን ታንክታትን ደብዳብ ኣካይዱ ኣሎ፡፡

ወታደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ  ካብ ወገን ምንም ዓይነት  ናይ ቶኽሲ ምላሽ ከይህሉ ብምግባር  እዚ ዝተፈፀመ ጥሕሰት  ናይ ተፃብኦ ደው ምባል  ኣብቲ ከባቢ ብዘሎ ኣዛዚ ዝተፈፀመ ጉድለት ወይ ካብ ካብ ላዕሊ ኮነ ተባሂሉ ዝተገበረ ምኻኑ ብትዕግስቲ ከፅንዕ ድሕሪ ምፅናሕ እቲ ተግባር ብላዕሊ ተፈሊጡ ኮነ ተባሂሉ ዝተፈፀመ ምዃኑ ኣረጋጊፁ ኣሎ፡፡

ምዕራብ ትግራይ ዘይናይ ትግራይ ንምግባር መራሕቲ ኢትዮጵያ ሒዞምዎ ዘለው ዝተዋደደ ወታሃደራውን ፖለቲካውን ሽርሒ በዚ  ጥሕሰት ተፃብኦ ደው ምባል ኣጠናኺሮምዎ ኣለው፡፡

እዚ ተግባሮም መንግስቲ ትግራይ ውን ምዕራብ ትግራይ ነፃ ምግባርን ዝተፈናቐለ ህዝቢ ናብ ቦትኡ ምምላስን ሓይሊ ብሕታዊ መማረፂ ክኸውን ይገብሩ ከም ዘለው ወታሃደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ተገንዚቡ ኣሎ፡፡

በዚ መሰረት መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ክገብር ዝደፍእ ዘሎ ዝኾነ ዓይነት ገምጋም ዘይትኽክልን ሐዚ ውን ዘለዎ መማረፂ ሰላምን ንሰላም ቁርፀኛ ምዃንን ጥራሕ ከም ዝኾነ እናተሓሰሳብና መላእ ህዝብታትን ፖለቲካዊ ሓይሊታትን ኢትዮጵያ መላእ ሰራዊት ኢትዮጵያ ከምኡ ዲፕሎማሲ ማሕበረሰብ ዓለም ሃገር ናብ ጠቕላላ ዕንወት ዘምርሓ ኵናት ዳግም  ክውላዕ ኣብ ምግባር ብሕታዊ ተሓታቲ እቲ ቀደሙ ውን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኵናት ዝኣወጀን ጆኖሳይድ ዝፈፀመን ዘፈፀመን መንግስቲ ኢትዮጵያ ምዃኑ ኩሉ ክፈልጦን ክግንዘቦን ወታሃደራዊ ኮማንድ ሰራዊ ትግራይ የፍልጥ፡፡ 

Previous articleምእላይ መፋስስ ሩባ ዛምራ
Next articleBreaking News!