ኮሚሽን መፅናዕቲ ጀኖሳይድ ትግራይ፥ ኣብ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ትግራይ ገበን ጀኖሳይድ፣ ገበን ኣንፃር ሰብኣውነትን ገበን ኲናትን ከምዝተፈፀመ ብመፅናዕቲ ኣረጋጊፁ።
መቐለ፥ ጥቅምቲ 6/2018 ዓ.ም. (ቴሌቭዥን ትግራይ)
ኮሚሽን መፅናዕቲ ጀኖሳይድ ትግራይ ኣብ ትግራይ ዝተፈፀሙ ፆታውን ፆታ መሰረት ዝገበሩ ጥቅዓታት ኣመልኪቱ ዘካየዶ መፅናዕቲ ዝሓዘ ሪፖርት ዕላዊ ገይሩ።
ርካቦታት እቲ መፅናዕቲ ከምዘረጋግፆ ኣብ ትግራይ መጠነ ሰፊሕን ስርዓታዊ ብዝኾነ መንገዲን ፆታውን ፆታ መሰረት ዝገበሩ ጥቅዓታት ከምዝተፈፀመ ዘረጋግፅ እዩ ዝበለ እቲ ኮምሽን፤ ገበን ጀኖሳይድ፣ ገበን ኣንፃር ሰብኣውነትን ገበን ኲናትን ከምዝተፈፀመ ኣረጋጊፀ ኣለኹ ኢሉ።
እቲ መፅናዕቲ ካብ ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም. ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ትግራይ ዝተፈፀሙ ኣዝዮም ዘስካሕክሑ ብርክታት ጥቅዓት ዝሓዘ እንትኾን ንሽዱሽተ ዞባታት ትግራይ ዝዳህሰሰ ምዃኑ እቲ ኮምሽን ሓቢሩ።
በቲ ኮምሽን ኣብ ድህረ ገፁ (https://citghub.org/) ዕላዊ ዝተገበረ ሪፖርት ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ ጀኖሳይዳዊ ፆታውን ፆታ መሰረት ዝገበረ ጥቅዓትን ዘለዎ ስፍሓት፣ እንታይነትን ዘምፀኦ ሳዕቤንን ብሰፊሑ ዝፅብፅብ ምዃኑ ተሓቢሩ፡፡
እቲ መፅናዕቲ ፆታውን ፆታ መሰረት ዝገበረ ጥቅዓት (SGBV) ንምብያን ከም IASC (2015) 7 GBVIMS ዝበሉ ማዕቀፋት ኣብ ጥቅሚ ከምዘውዓለ ሓቢሩ።
ኣብቲ መፅናዕቲ 481,201 ወሃብቲ ሓበሬታ ዝተሳተፋ እንትኾና መንነትን ግደን እቲ ዓለም ለኻዊ ገበን ጀኖሳይድ ዝፈፀሙ ኣካላት እውን ተነፂሩ እዩ ክብል ኮምሽን ጀኖሳይድ ትግራይ ዕላዊ ኣብ ዝገበሮ መግለፂ ኣመላኺቱ።
እቲ መፅናዕቲ ኣድላይነት ህፁፅ ፍትሒ፣ ተሓታትነትን ግዳያት መሰረት ዝገበረ ሕውየትን ከም ዘድልይ መረጋገፂ እዩ ዝበለ እቲ ኮምሽን፤ ኣብ ልዕሊ ግዳያት ዝበፅሐ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ጉድኣት ንምሕዋይን ገበነኛታት ተሓተትቲ ንምግባርን ዝተዋደደ ሃገራውን ዓለም ለኻውን ስጉምቲ ክውሰድ ፀዊዑ።



