Home ዓለምለኻዊ ዜና ኲናት ሱዳን ደው ንምባል ኣሜሪካ ብዕቱብ ክትሰርሐሉ እያ – ፕረዝደንት ትራምፕ

ኲናት ሱዳን ደው ንምባል ኣሜሪካ ብዕቱብ ክትሰርሐሉ እያ – ፕረዝደንት ትራምፕ

40

ኲናት ሱዳን ብህፁፅ ደው ንኽብል ምስ ሃገራት ዓረብን ዞባዊ ኣካላትን ከም ዝሰርሑ ፕረዝዳንት ዶናልድ ትራምፕ ኣፍሊጦም፡፡

ኵናት ሱዳን ኣጀንደኦም ከምዘይነበረ ዝሓበሩ ትራምፕ፤ ምስ ወራሲ ዓራት ስዑዲ ዓረብ ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ስቓይ ሱዳናዊያን ብዝግባእ ከም ዝተረድኡ ምዝራቦም ፍራንስ 24 ፀብፂቡ፡፡

ንልኡል መሓመድ ቢንሳልማን ኣብ ቤተ መንግስቶም ዝዓደምሉ ቀንዲ ውራይ ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ስዑዲ ዓረብን ርክብ ኢንቨስትመንት ንምጥንኻር እኳ እንተኾነ፥ ኣብ ሱዳን ዘሎ ቅልውላውን ኲናትን ኣጀንዳ ኮይኑ ከም ዝወፅአ ዘብርሁ እቶም ፕረዝዳንት፥ ኲናት ሱዳን ብህፁፅ ደው ንምባል ዘኽእል መስርሕ ከም ዝጅምሩ ዕላዊ ገይሮም፡፡

ኣብ ዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ ናይ ስልጣን ፃንሒቶም፤ ቀንዲ ትኹረት ሃገሮም ኣብ ኲናት ዩክረይንን ጋዛን ተፀሚዱ ምፅንሑ ዘፍለጡ ፕረዝዳንት ትራምፕ፥ ቅድም ክብል ብኣባላት ሪፓብሊካን ሕቶ ቀሪብሎም ምፅንሑን ብዕጡቓት ህፁፅ ወሃቢ ደገፍ ዝፍፀም ዘሎ ገበን ብቕልጡፍ ደው ክብል ከም ዝሰርሑን ምግላፆም ፍራንስ 24 ፀብፂቡ፡፡

ፕረዝዳንት ትራምፕ ኲናት ሱዳን ብሰላማዊ መንገዲ ዕልባት ንምርካብ ሃገሮም ምስ ግብፂ፣ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ዓረብ ዒማራትን ብምትሕብባር ተኹሲ ደው ንምባል ፃዕሪታት ትገብር ምህላዋ እውን ብማሕበራዊ መራኸቢ ትሩዝ ዕላዊ ገይሮም፡፡

ቅድም ክብል ዕጡቕ ወሃቢ ደገፍ ካብ ሕቡራት ዒማራት ዓረብ ኣፅዋር ብምቕባል ኲናት ሱዳን የጋድድ ምህላዉ ብስለያ ኣሜሪካ ከም ዝተረጋገፀ ዝፍለጥ ኮይኑ፥ ኣብ ዋዕላ ጉጅለ 7 ተረኺቦም ኲናት ሱዳን ብህፁፅ ደው ክብል ፃውዒት ዘቕረቡ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ማርኮ ሩቢዮ ብግዲኦም ኲናት ሱዳን ንምግዳድ ኣፅዋር ዘቕርባ ሃገራት ብግልፂ ከም ዝፍለጣን ካብ ተግባረን ክቑጠባ ፃውዒት ምቕራቦምን ፎክስ ኒውስ የዘኻኽር፡፡

#ገብረእግዚኣብሄር_ሃይሉ