ዜና ዕረፍቲ
ወላዲት ነበር ቀደማዊት እመቤት ኣዜብ መስፍንን ኣብ ዕጥቂ ቃልሲ 17 ዓመት ዕዙዝ ግደ ዝነበረንን እሞሆይ ቆንጂት ጎላ ጎሹ ኣብ 85 ዓመተን ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልየን።
መቐለ፥ ጳጒሜን 4/2017 ዓ.ም. (ቴሌቭዥን ትግራይ
ወላዲት ነበር ቀደማዊት እመቤት ኣዜብ መስፍንን እሞሆይ ቆንጂት ጎላ ጎሹ ኣብ ዕጥቂ ቃልሲ 17 ዓመት ህዝቢ ትግራይ ዕዙዝ ግደ ዝነበረን ወላዲት ምንባረን ናይ ቃልሲ ማህደረን የመላኽት ።
እሞሆይ ቆንጂት ጎላ ጎሹ ካብ ኣቦኣን ደጃዝማች ጎላ ጎሹ ካብ ኣዲአን እምሆይ የተመኝ ተፈሪ ብ 1932 ዓ.ም ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ወልቃይት ተወሊደን።
እሞሆይ ቆንጂት ንነበር ቀደማዊት እመቤት ተጋዳሊት ኣዜብ መስፍን ሓዊሱ 7 ቆልዑት ወሊደን ብስርዓት ንቁምነገር ብምብፃሕ ክሳብ ደቂደቀን እውን ንምርኣይ በቂዐን እየን።
እሞሆይ ቆንጂት 3 ጳጉሜን 2017 ዓ.ም ኣብ 85 ዓመተን ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልየን።
ስነ_ስርዓት ቀብረን ድማ 5 ጳጉሜን 2017 ዓ.ም ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ቤተክርስትያን ቅድስት ስላሴ ክፍፀም እዪ።
ንመላእ ስድራ ፅንዓት ንምነ።