Home ዜና ዑደት ኣምባሳደር ነርወይ ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ

ዑደት ኣምባሳደር ነርወይ ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ

595
0

ኣምባሳደር ነርወይ ኣብ ኢትዮጵያ ስቲያን ክርስተንሰን ኣብ ህልዉ ኩነታት፣ተስፋታትን ብድሆታትን ትግራይ ኣድሂቦም ምስ ሓላፊ ካብኔ ሴክሬታሪያት ስግግር ማሕበራዊ ልምዓት ፕሮፌሰር ክንድያ ገ/ህይወትን ኣመራርሓ ዩኒቨርስቲ መቐለን ዘትዮም። ኣብቲ እዋን ድማ መንግስቲ ነርወይ ኣብ ዓውደ ጥዕና ትግራይ ሓጋዚ ኮይኑ ከም ዝፀንሐ ዝገለፁ ፕሮፌሰር ክንደያ ነርወይ ካብ 1996 ዓ/ም ጀሚሩ ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ኣብ ህንፀት ትካላዊ ዓቕሚ ንዝገብሮ ዘሎ ድጋፍን ክትትልን ንኢዶም።

Previous articleካብ ማሕበር ተጋሩ ጅዳን ከባቢኣን ብሓገዝ ዝተረኽበ ልዕሊ 1.8 ሚልዮን ብር  ንልዕሊ 1500 ዝኣኽሉ ዉግኣት ብመልክዕ ናዉቲ ተበርኪቱ፡፡
Next articleማእኸላት ደኒ ትግራይ ኣብ በልጂም