Home ዜና ዓመታዊ ጉባኤ ትካል ጥዕና ዓለም

ዓመታዊ ጉባኤ ትካል ጥዕና ዓለም

1033
0

ትካል ጥዕና ዓለም WHO ድሕሪ ሓደ ሰሙን ዓመታዊ ጉባኤ ከም ዘካይድን ኣብ ጉዳይ ኲናት ትግራይን ዩክሬይንን ብዋናነት ከምዝዝትይ ድማ ተገሊፁ፡፡

እቲ ዝካየድ ዓመታዊ ጉባኤ ንሓደ ሰሙን ዝፀነሕ ኮይኑ ጥዕና ንሰላም፣  ሰላም ንጥዕና ብዘብል መሪሕ ሓሳብ ከምዝካየድን ሃገራት ዓለም ድማ ብወከልተን ከምዝሳተፋ ተገሊፁ፡፡

ኣብቲ ዓመታዊ ጉባኤ ኣብ ጉዳይ ኲናት ትግራይን ዩክሬይንን ብዋናነት ከምዝዝተየሎም ተገሊፁ፡፡

ኣብቲ ጉባኤ ንዝቕፅሉ ዓመታት ዋና ዳይሬክተር እቲ ትካል ዝመርሕ ሰብ እውን ከምዝሽወምን ነዚ ድማ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ብሕታዊ ነቲ ትካል ክመርሑ ብሕታዊ ሕፁይ ኮይኖም ከምዝተሓረዩን ብዝነበሮም ሓላፍነት ክቅፅሉን ትፅቢት ይግበር፡፡

ትካል ጥዕና ዓለም ኣብ ዘካየዶ ጉባኤ ኣፈፃፅማ ስራሕ ሕሉፍ ዓመት ከምዝቐርብ ቢዝነስ ላይን ፀብፂቡ፡፡

ብጥዑም ኣለሙ

Previous articleስዕረት መሓመድ ፋርማጆ
Next articleኣረሜንያዊ ተግባር ገበቲ ሓይልታት ኣምሓራ