Home ዜና ዘላቒ ተኹሲ ደው ምባል ንምርግጋፅ ተሓታትነት

ዘላቒ ተኹሲ ደው ምባል ንምርግጋፅ ተሓታትነት

1083
0

ኣብ ፕሪቶርያ ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም ተፃብኦ ደው ምባል ብዘላቕነት ትሓታትነት ንምርግጋፅ ክስረሐሉ ኣንቶኒዮ ብሊንከን ፀዊዖም፡፡

ውዕል ፕሪቶርያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ክበፅሕ ዝነበረ ተወሳኺ ፆታዊ ዓመፅ፣ ዕንወት መሰረተ ልምዓት፣ መቕዘፍቲ ሰላማዊያን ሰባትን ኣብ ምድሓን ፅቡቕ ዉሳነ ምዃኑ ዝገለፁ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶንዮ ብሊንከን፤ ኣብ ልዕሊ ኩሎም ፈፀምቲ ገበን ተሓታትነት ክረጋገፅ ፀዊዖም፡፡

ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተፈፀመ ቅሉዕ ኲናት ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት መሕዘኒን መዕነዊን ምንባሩ ዝጠቐሱ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፤ ንስምምዕነት ዘላቒ ተፃብኦ ደው ምባል ፕሪቶርያ ስዒቡ ሂወት ብዙሓት ኣብ ምድሓን ርኡይ ለውጢ ብምምዝጋቡ ሃገሮም ሕጉስቲ ምዃና ጠቒሶም፡፡

ንኽልተ ዓመታት ሙሉእ ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት፤ ኣማኢት ኣሻሓት ሰላማዊያን ሰበት ንሞት ከም ዝተቓልዑ፣ ግዱድ ፆታዊ ዓመፅ፣ ምምዝባል፣ ዕንወት መሰረተ ልምዓትን ትካላት ሰብኣዊ ግልጋሎታትን መግለፂ እቲ ኲናት ምንባሩ ዘዘኸኻሩ ብሊንከን፤ ከምዙይ ዓይነት መስካሕክሒ ኲናት ብሰላም መዕለቢ ክረክብ ምኽኣሉ ንዜጋታት ዕረፍቲ ዝህብ እዩ፡፡

”ዝተኻየደ ኲናት ፍፁም መዕነዊ እዩ፡፡ ኣማኢት ኣሸሓት ተቐቲሎም፣ ፍኑው ፆታዊ ዓመፅ፣ ሚሊዮናት ብግዲ መረበቶም ሓዲጎም ክመዛበሉ ተጌሩ፣ ሚልዮናት ብዘይምግቢ፣ መድሓኒትን ቀረብ መሰረታዊ ግልጋሎታትን ተሪፎም፣ ትካላት ጥዒና፣ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ትካላት ንግዲን ፋብሪካታትን ዓንዮም፡፡ ስምምዕነት ተፀበኦ ደው ምባል ካብዞም ስቓያት ዘውፅእ ብምዃኑ ዓብይ ዓወት እዩ፡፡ ”

ዝተበፅሐ ዘላቒ ተፃብኦ ደው ምባል ተጠናኺሩ ክቕፅልን ኣብ ከቢድ ጉድኣት ዝፀንሐ ህዝቢ መነባብሮኡ ናብ ምምሕያሽ ክምለስ ጠለብ ኣሜሪካ ምዃኑ ዝጠቐሱ ብሊንከን፤ ብውሱን መልክዑ ተጀሚሩ ዘሎ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ክጠናርን ድሕንነት ሰላማዊያን ሰባት ተሓልዩ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ክምለስን ይግባእ ኢሎም፡፡

ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ ከይዲ ምውራድ ዕጥቂ ይሳለጥ ምህላዉ ዝጠቐሱ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ፣ ሰራዊት ኤርትራን ሓይሊታት ኣምሓራን መሊኦም ካብ ትግራይ ምውፀኦም ክረጋገፅ ጠሊቦም፡፡
ስምምዕነት ዘላቒ ተፃብኦ ደው ምባል ፕሪቶርያ ኣብ ምስላጥ፣ ምስ ሕብረት ኣፍሪካ ብምውዳድ ግደ ኬንያን ደቡብ ኣፍሪካን ጉሉህ ምንባሩ ዝጠቐሱ ብሊንከን፣ ኣሜሪካ ፖለቲካዊ ፍልልያት ብዘተ ሰላም ክፍታሕ ዝሓዘቶ ቅዋም ሕዚ እውን ከም እትቕፅለሉን፤ ኮሚቴ ምርግጋፅን ምቁፅፃርን ሕብረት ኣፍሪካ ዝተውሃቦ ሓላፍነት ብዝግባእ ንኽፍፅም ሓገዝ ሃገሮም ከም ዘይፍለዮ ጠቒሶም፡፡

ተሓታትነት ከይሰፈነ ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅ ኣፀገሚ ምዃኑ ዝጠቐሱ ኣንቶኒ ብሊንከን፤ ከቢድ ጉድኣት ዝበፅሖም ክፋላት ማሕበረሰብ እኹል ካሕሳ ክረኽቡን ናብ ንቡር ህይወቶም ንኽምለሱን ተሓታትነት ክረጋገፅ ይግባእ፡፡ እዙይ ንምፍፃም ድማ ኣብ ኲናት ቀንዲ ግዳያት ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ ናብ ሓላፍነት መፅየን ገበነኛታት ፍርዶም ክረኽቡ ክቃለሳ ይግባእ ክብሉ ኣብ ጋዜጣዊ መግለፂኦም መብርሂ ሂቦም፡፡

ምስ ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያን መሪሕነት ትግራይን ኣብ ዝገበርዎ ርክብ፤ ክልቲኦም ወገናት ዘላቒ ሰላም ክረጋገፅን፤ ተሓታትነት ክሰፍንን ዘለዎም ድሌት ልዑል ምዃኑ ኣረጋጊፀ ኣለኹ ዝበሉ ብሊንከን፤ ድሌት ህዝቢ እውን ዘለቒ ሰላም ብምዃኑ ተፈራረምቲ ኣካላት ሓላፍነቶም ክዋፅኡ ይግባእ ኢሎም፡፡

ክልቲኦም ወገናት ንዝተፈፀመ ከቢድ ገበን ኣፍልጦ ሂበምሉ ኣለዉ ኣፍልጦ ምሃቦም ድማ ንቐፃሊ ስራሕቲ ሓጋዚ እዩ ዝበሉ ኣንቶኒዮ ብሊንከን፤ ኣሜሪካ ገበነኛታት ኣብ ቅድሚ ሕጊ ተሓተትቲ ክኾኑ ብቐፃልነት ከም እትሰርሕን ንምርመራ ገበን እኹል ባጀት ከም ዝመደበትን ኣረጋጊፆም፡፡

ገብረእግዚኣብሄር ሃይሉ


Previous articleምረቓ መዝሙር ቋንቋ ትግርኛ
Next article” ዋዕላ ፍትሒ ንዘላቒ ሰላም”