Home ዜና ምረቓ መዝሙር ቋንቋ ትግርኛ

ምረቓ መዝሙር ቋንቋ ትግርኛ

700

ኣብ ምዕባይ ምዕቃብን ቋንቋ ትግርኛ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ኣካላት ትኹረት ሂቦም ክሰርሕሉ ይግባእ ተባሂሉ፡፡ እዚ ዝተበሃለ ንልዕሊ ክልተ ዓመት  ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፀሐ ግፍዕን ጨፍጫፍን ዝሓዛ ክልተ ነፀላ መዝሙር  ኣብ ደብረ ገነት ቅድስቲ ኪዳነ ምህረት ቤተክርስትያን መቀለ ኣብ ዝተመረቃሉ እዋን እዩ፡፡

ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፀሐ  ጨፍጫፍ ዝዝክራ ክፅሊ ዘርእስተን ክልተ ነፀላ  መዝሙር ሎሚ መጋቢት ክልተ 2015 ዓ.ም ኣብ ደብረ ገነት ቅድስት ኪዳነ ምህረት ቤተክርስትያን መቐለ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ኣካላት ኣብ ዝተረኸብሉ እዋን ተመሪቐን፡፡

ፀሓፍን ደራስን እተን መዝሙር  መምህር  ዲያቆን ኣሰፋ  ንጉስ ንምዝራቡ ዘሰክፍ ጨፍጫፍ ህዝቢ ትግራይ ንቐፃሊ ከይርሳዕ ከይድገም ንምስናድን  ንምዝካርን ከም ዝኾነ ድሕሪ ምግላፅ ኣብ ቐፃሊ ድማ ሙሉእ ኣልበን  መዝሙር ትግርኛ ንምሕታም ኣብ ምድላው ከም ዝርከብ ተዛሪቡ፡፡

ኣብቲ ምረቓ መዝሙር ዝተረኸቡ ወገናት ብግዲኦም  ኣብ ሕሉፋት ዓመታት  ኣብ ምዕባይን ምዕቃብን ክፍተታት ይርኣዩ ከም ዝነበሩ ድሕሪ ምግላፅ ኣብዝ ሕዚ እዋን ዝረኣዩ ዘለው ፅቡቓት ጅማሮታት  ምስናድ ታሪኻት ብቋንቋ ትግርኛ ተጠናኺሩ ክቕፅልን መንግስታውን ዘይመንግስታውን ኣካላት ድማ ትኹረት ክህብሉ ይግባእ ኢሎም፡፡

ብኣስቴር ገብረ ስሉስ