Home ዜና ውሽጢ ዓዲ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ኣካል ክልል ኣምሓራ ከምዝኾነ ተገይሩ ፤ብሚንስቴር ሕርሻ ዝወፀ ፀብፃብ...

ዞባ ምዕራብ ትግራይ ኣካል ክልል ኣምሓራ ከምዝኾነ ተገይሩ ፤ብሚንስቴር ሕርሻ ዝወፀ ፀብፃብ ንክእረም ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣገንዚቡ።

61

መቐለ፥ መስከረም 26/2018 ዓ.ም. (ቴሌቭዥን ትግራይ)

ዞባ ምዕራብ ትግራይ ኣካል ክልል ኣምሓራ ከምዝኾነ ተገይሩ ፤ብሚንስቴር ሕርሻ ኢ/ያ መስከረም 23 2018 ዓ.ም.ዝወፀ ፀብፃብ ንክእረም ቢሮ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ትግራይ ኣተሓሳሲቡ።

ሚኒስቴር ሕርሻ ኢ/ያ ግዝኣት ትግራይ ዝኾነ ምዕራብ ትግራይ ኣካል ክልል ኣምሓራ ከም ዝኾነ ገይሩ “የወልቃይት ጠገዴ ሰቲት ሁመራ ዞን” ኢሉ ብዕሊ ከምዝገለፆ ኣዘኻኺሩ።

እቲ ብሚኒስተር ሕርሻ ዝተዘርገሐ ዝንቡዕ ዜና ቅድም ክብል ብሚድያታት ክልል ኣምሓራ እናተገለፀ ናይ ዝመፀ መቐፀልታ ምዃኑ እቲ ቢሮ ጠቒሱ። እዚ ድማ ሚዲያታት ከም ፍልፍል ክጥቀማሉን እቲ ጉዳይ ቀስ ብቀስ ሓቂ ንምግባር ዝዓለመን ኾነ ተባሂሉ ንምግፋሕ ዝተሃቀነን ምዃኑ ሓቢሩ።

እቲ ፀብፃብ መዋቕራዊን ትካላዊን ስልቲ ተጠቒምኻ ኣብ ስርዓት እቲ ዓዲ ትግራይ ናይ ምጉናይን ምንፃልን ሸርሒ ተጠናኺሩ ምቕፃሉ ዘርኢ እዩ ክብል ኣመላኺቱ።

ሚኒስተር ሕርሻ ኢትዮጵያ ንዘቕረቦ ሓላፍነት ዝጎደሎ ፀብፃብ ክእርሞን ትግራይ ናይ ምጉናይን ምሽርራፍን ተግባሩ ክቑጠብን ቢሮ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ ልዕሊ ነቲ ፀብፃብ ዘዳለዉ ኣካላት ድማ ስጉምቲ ክወስድ ንፅውዕ ዝበለ እቲ ቢሮ እዚ እንተዘይተገይሩ ግን ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሕጋዊ ስጉምቲ ንምውሳድ ክግደድ እዩ ክብል ኣጠንቂቑ።

መንግስቲ ፊደራል ኣብ ልዕሊ ነቲ ዓይነት ሓላፍነት ዝጎደሎ ስሕተት ዝፍፅሙ ኣካላት ስጉምቲ ክወስድን ንሕገ መንግስቲ ፊ.ደ.ር.ኢን ውዕል ፕሪቶርያን ተገዛኢ ክኾውንን እቲ ቢሮ ፀዊዑ።