Home ዜና ውሽጢ ዓዲ ደምዳሚ ኣዋጅ ተሳተፍቲ ብሄራዊ ኮንፈረንስ ህዝቢ ትግራይ!!

ደምዳሚ ኣዋጅ ተሳተፍቲ ብሄራዊ ኮንፈረንስ ህዝቢ ትግራይ!!

69

ዋሓስ ድሕንነትን ህላወን ትግራይና – ፅኑዕ ሓድነትና !!

=======================================

ሀ. መእተዊ

ንሕና ብሄረሰባት ኲናማን ኢሮብን ሓዊስካ ካብ ኩሎም ወረዳታት፡ ጣብያታትን ከተማታትን ትግራይ፡ በቢከባቢና ብህዝብና ዝተመረፅና ተወከልቲ ህዝቢ ትግራይ፣ ከምኡ እውን ኩሎም ብሄራዊ ትካላት ትግራይና ማለት እውን ብሄራዊ ፖለቲካዊ ውድባት ኣመራርሓ ሰራዊት ትግራይ፡ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ሕብረተሰብ : ትካላት ሃይማኖትን ሲቪክ ማሕበራትን ዝወከልና ብድምር 3067 ደቂ ትግራይ፣ “ህዝባዊ ኮንፈረንስ ንብሄራዊ ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ” ብዝብል ዝተሰየመ መድረኽ ቃልሲን “ብሄራዊ ሓድነት ንምውሓሰ ብሄራዊ ህላወን ድሕንነትን ትግራይ” ብዝብል መራሒ ሓሳብ፡ ብጥምረት ጊ/ም/ትግራይን ውድብ ህወሓትን ካብ መስከረም 24-25/2018 ዓ/ም ዝተመርሐ ኣኼባ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ሰሙናት ኣብ መላእ ትግራይ ወፍሪ ብሄራዊ ሓድነት ብዝብል ናይዝተኻየዱ መድረኻት መዛዘሚ ዝኾነ ኣኼባና፡ ብሓዱሽ መንፈስን ወነን ውዑይምይይጥ ኣብ ዘካየድናዮ ብሄራዊ ኮንፈረንስ ህዝቢ ትግራይና፡ ብሄራዊ ሓድነትና ብዝበለፀ ከም ሓፂን ብዘጠናኽር ኣገባብ ደምዲምና ፃንሒትና ብዓወት ዛዚምና ኣለና።

ህዝቢ ትግራይ ኣብ ቀዳማይ ሚልንዮም መዋዓልትን መወዳደርትን ብስልጣነ ቀዳሞትን ጠንካራ ወታደራዊ ዓቅምን ካብ ዝነበሮም ስልጣነታት ከምኡ እውን ብሄራዊ መንነቶምን ክብሮምን ናብ ዋጋ ዕዳጋ ኣቕሪቦም ዘይደራደሩ ብሄራዊ ህዝብታት ዓለምና ሓደ ከምዝኾነን ትግራይና ድማ ማህፀን ጀጋኑ ከምዝኾነትን ዓለም ብዓለመ ደጋጊሙ ዘዘንትዎ ዘሎ ህያው ሓቂ እዩ። ማለት እውን ወናኒ ረዚን ታሪኽ፡ ዓሚቕ ባህሊ፡ ነዊሕ ዕድመ ዘሎዎም ቋንቋታት (ኲናማ፣ ሳሆ፡ ግእዝን ትግርኛን)) ብዓል ቤት ምዕቡል ስልጣነ ይሓ፡ ፑንት፡ ድኣማት፡ ማይ ኣድራሻ፡ ኣኸሱም ወዘተ ከምኡ እውን ካብቶም ፈላሞት ፈጠርቲ፡ ኣርባሕትን ተጠቀምትን ስነ-ዘራእቲ፡ ሓደ ዝኾነ ከምኡ እውን ዓዲ ቀዳሞት ፈላስፋታትን ብዙሕ ዘይተዘረበሉ ተመራመርቲ ስነ-ከዋኽብቲን ዝፈጠረ ህዝቢ ከምዝኾነ ፅሓፍቲ ታሪኸን ተመራመርትን ዘረጋግፅዎ ጉዳይ እዩ።

ይኹን ድኣ እምበር ናይ ውሽጢ ዓድን ወፃኢን ወረርቲ ሓይልታት ካብ ጀሚሮም መቋረፂ ዘይብሉ ኩናት ኣብ ልዕሊ ህዝብና ስለዘካየዱ፣ ትግራይና ግዳይ ድኽነት፡ ድሕረትን ድንቁርናን ገይሮምዋ እዮም። እዞም ወረርቲ ስልጣነ ታሪኽን ባህሊን ትግራይ ንምጥፋእ ዝፈፀምዎ ስርቅን ዘመተን ከምኡ እውን ብቃላት ንምግላፅ ዘፀግሙ ዘካየድዎም ባርባራዊ ግፍዕታት፡ ማለት እውን ካብ ደቂቀ ስጢፋኖስ ክሳብ ሕዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኻየደ ኣረሜናዊ ጆኖሳይድ፣ ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ዋላ እኳ ሓደ (1) ሺሕ ዓመት ከም ሽንቲ ግመል ንድሕሪት ክጉተት እንተገበርዎ፡ ኣብ ብሄራዊ መንነቱን ክብሩን ግና ኣብ ኩሎም ዘበናትን መዋእላትን ንፃት እውን ከምዘይደራደርን ከምዘይምብርከኸን ናይቀዳሞት ወለድና ታሪክ ጅግንነት ብምዝንታው ዝግለፅ ጥራሕ ከይኮነስ፡ ሕዚ ዘሎ ሓዱሽ ወለዶ ትግራይና ዝፀሓፎን ይፅሕፎን ዘሎ ተደማሪ ቅያን እንነብረሉ ዘለና ህያው ኩነታት ንኩሉ ግሁድ እዩ።

እንተኾነ ናይ ድሑር ኣተሓሳስባታትን ኣረመኔዊ ተግባራትን ዝወረሱ መንግስቲ ብልፅግና ዝምርሑ ናይ ሎሚ ዘበናዎት ጆኖሳይዳዊ ወረርቲ ሓይልታት፡ ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ኩርምቶም ቀርቂሮም ሒዞም፣ ሎሚ እውን መሊኡ ሓራ ከይወፅእ ኩሉ ዓይነት መናውራን ግፍዕታትን ይፍፅሙ ኣለው። ብምዃኑ እንተኸኢሎም ንህዝቢ ትግራይ ካብ ገፀ ምድሪ፡ ትግራይና ድማ ካብ ካርታ ዓለም ንምጥፋእ፣ እንተዘይኪኢሎም እውን ብዕፅዋን ክባን ሰንሰን ኣቢሎም፣ 100 ዓመት ንድሕሪት ክንመልሶ ኢና ዝበልዎ እከይ ትምኒቶም ተግባራዊ ብምግባር፣ ህዝብና ከም ጓል ዛግራ ፋሕ ብትን ንክንብል ዝሓልሙ ኣረመኔታት፡ ዘካይድዎን የካይድዎን ካብ ዘለው ፅዕፁዕ ስነ ልቦናዊ ኩናት ሓሊፎም ኣብዚ እዋን ክሳድካ ክንቅንጥበካ መፃእናካ ዋሓጥናካ ብምባል ወግሐ ፀብሐ ምውጥዋጥ ነጋሪት ኲናት እናስማዑ፣ ህዝብና ቀሲኑ ዕለታዊ ጣጥኡ ከይውግን ኩሉ ዓይነት መናውራታት ይፍፅሙ ኣለው። ኣብዚ እዋን እዚ ፀገም ኣዕርዩ ተሓላሊኹ ዘሎ ብናይ ደገ ወረርቲ እከይ ተግባር ጥራሕ ከይኮነስ፡ ካብ ህዝቢ ትግራይ ተፈጢሮም፣ ኣብ ልዕሊ ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ብሄራዊ ክሕደት ዝፈፀሙ ተጐጅሎም ዝሰለሙ ናይጥፍኣት ሓይልታት እውን እዩ።

ብምዃኑ ስትራተጂክ ዓቅምታት ትግራይና ብሓባር ዘውፅእዎ ትልሚ መሰረት ብምግባር፣ ብገ/ም/ትግራይን ህወሓትን እናተመርሑ ቅድም ኢሎም ናይዝተኻየዱ መድረኻት መዛዘሚ ኣብ ዝኾነ ክልላዊ ብሄራዊ ኮንፈረንስ እንሳተፍ ዘለና ተወከልቲ ህዝብን ኣካላትን ዘለናሉ ወድዓዊ ኩነታትና ድሕሪ ምግምጋም እቲ ዘይተገማታይ መድረኸ ንምስጋር እንኮ መማረፂ ብሄራዊ ሓድነት ምጥንኻርምዃኑ ደምዲምና ኣለና። ስለዙይ ሕዚ ኣብ ግንባርና ተገቲሩ ዘሎ ሓደጋ ብሄራዊ ህላወ ከቢስና፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝወጣወጥ ዘሎ ነጋሪት ኲናት፣ ሰላም ንምንጋስ ዘኸእሉ፣ መደምደምታ ዝበፃሕናሎምን ዝወሰናዮምን 13 ዓበይቲ ጉዳያት ብመልክዕ ደምዳሚ ኣዋጅ፡ ከም ዝስዕብ ዕላዊ ገይርና ኣለና።

ለ. መደምደምታታት፣ ውሳኔታትን ፃውዒታትን ደምዳሚ ኣዋጅ

====================================

1) ህዝቢ ትግራይ ካብ ቀደም ካብ ጥንቲ፡ ብረት ኣፈሙዝ ኣልዒሉ ዝወግኦ ህዝብን ወሪሩ ዝገበቶ ናይ እማቱ መሬትን ከምዘየለ ታሪኸ ምስክር እዩ። ትማሊ፣ ሎሚ ይኹን ፅባሕ፡ ባህጊን መትከላዊ እምነትን ህዝቢ ትግራይን ተሳተፍቲ እዚ ብሄራዊ ኮንፈረንስን ሰላም ጥራሕን ጥራሕን እዩ። ሕዚ ኣብ መንጎ ህዝቢ ትግራይን መንግስቲ ኢትዮጵያን ዘሎዎ ፖለቲካዊ ኣፈላላያትን ፀገማትን ድማ፡ ዘላቂ ፍታሕ ዝረኽቡ፣ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ምኳኑ ንኣምን። ስለዝኾነ ንሕና ተሳተፍቲ ብሄራዊ ኮንፈረንስ ህዝቢ ትግራይ፣ ቀንዲ ዝዘተናሉ ጉዳይን ዝበፃሕናዮ መደምደምታን ኣብ ልዕሊ ህዝብና ኣንፀላልዩ ዘሎ ሓደጋ ኲናት ምትራፍ ምዃኑ፣ ንኩሉ ደላይ ሰላምን ዓለምለኸ ማሕበረሰብን ብዕሊ እንትነፍልጥ፣ እዚ ፅኑዕ መትከላዊ እምነትና ናብ ነገራዊ ሓይሊ ንምቅያርኩሉ ዓይነት ፃዕሪ ንምግባር ድልዋት ምዃና ነረጋግፅ።

2) ጥቅምቲ 23/2015 ዓ/ም፡ ኣብ መንጎ ውድብ ህወሓትን መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝተፈረመ ስምምዕ ፕሪቶርያ ሰለስተ ዓመት ከቑዕር ብኣፃብዕቲ ዝቑፀሩ መዓልቲታት ጥራሕ ተሪፍዎ ኣሎ። ይኹን ዳኣምበር ዓበይትን መሰረታዊን ጉዳያት እቲ ስምምዕ ኣይተፈፀሙን ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ብኣንፃሩ፣ መንግሰቲ ኢትዮጵያ፡ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ፡ ክፍለ ኣህጉራዊ ትካላትን ደላይ ሰላም መድረግቲ ኣካላትን ኣብዝተረኸብሉ፡ ነቲ ስምምዕ ዝፈረመን ልዕሊ 50 ዓመታት ዘቑፀረን ውድብ ህወሓት ኣፍልጦ ሕጋዊ ሰርትፊኬት ከልኪሉን ብብሄራዊ ቦርድ መረፃ ክስረዝ ገይሩን እቲ ስምምዕ ከምድልየቱ ብተደጋጋሚ እናጣሓሶ ይርከብ። ስለዝኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ስምምዕ ፕሪቶርያ ንጎኒ ገዲፉ፣ ንህወሓት ኣግሊሉን ሰሪዙን የካይዶ ዘሎ ኩሉ ዓይነት ምንቅስቓስ ብጥብቂ ከም እንቃወም ነፍልጥ። ዋላ እኳ ህወሓት ቕድሚ 50 ዓመታት ሕጋዊ ኣፍልጦ ዝረኸበ ብወረቐት ከይኮነስ ብምልኣተ ህዝብናን ሕዚ እውን ካብ ልቢ ህዝቢ ትግራይ ምፍሓቕ ከም ዘይከኣል ብተግባር ዝተመስከረሉ እንተኾነ፣ ኣፍልጦ ሕጋዊ ሰውነት ህወሓት ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ናብ ዝነበሮ ክምለስ ንዕውዕ።

3) ኣብዚ እዋን ቀንዲ ውራይ ህዝቢ ትግራይ፣ ንዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት፣ ብፀሓይ፡ ንፋስ፡ ቁሪ፡ ሓያል ዝናብ ክራማት፡ ኣብ ዝተበጣጠሰ ኣረጊት ቴንዳ ክነብር ተገዲዱ ዘሎ ልዕሊ 1 ሚልዮን ተመዛባላይ ህዝብና፣ ኣብ ሱዳን ተሰዲዱ ከርፋሕ ናብራ ዝደፍእ ዘሎ ብ10ታት ኣሽሓት ዝቑፀር ህዝብና ከምኡ እውን ወረርቲ ገቢቶም ኣብዝሓዝዎም ልዕሊ 40% (ኣርብዓ ምኢታዊ) ላዕላዊ ግዝኣት መሬትና፣ ብምሒር ብሄራዊ ዕብለላ ይሳቀይ ዘሎ ህዝብና ናብ መረበቱ ክምለስን ሓራ ክወፅእን ምግባር እዩ። ሕሉፍ ሓሊፉ ኣብዚ እዋን ናይ ትግራይናይ ፅባሕ ተስፋ ዝኾነ ተመዛባላይ ህፃን ወድና ኣብ ዝሓለፉ መዓልትታት ብዝብኢ ተበሊዑ ስነ-ልቦና ህዝብና ሰይሩ እዩ።ነዚ ስታይ ህዝብና ዝሽከም እንግድዓን፡ ሰነ-ልቦናን ድሕሪ ሕዚ ፈፂሙ ክህልወና ኣይግባእን። ብምኳኑ፣ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝተመዛበለን ኣብ ስደት ይሳቀይ ዘሎን ህዝብና፣ ድሕንነቱ ተሓልዩ ናብ መረበቱ ክምለስ፣ ተጎቢጡ ኣብ ትሕቲ ብሄራዊ ዕብለላ ዝነብር ዘሎ ህዝብና ሓራ ክወፅእን ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ ላኣላውነትና ንክኸበር ብሄራዊ ሓድነትና ኣደንፊዕና ከም እንረባረብ ቃል ንኣቱ። ኣብዙይካብ ኣፍልጦ ጊ/ም/ትግራይ ወፃኢ፡ ዝተፀገመን ዝተመዛበለን ህዝብና ብምድንጋርን ብሽርሕን ንምምላስ ዝግበር እከይ ምንቕስቓሳት ተቐባልነት ዘይብሉ ምዃኑ እናፍለጥና፣ ኣብዚ መናውራ ኢዶም ዘእተው ሓይልታትን ኣካላትን ካብ ከምዚ ዓይነት ተግባሮም ክቑጠቡ ብጥብቒ ነተሓሳስብ።

4) ንሕና ዝተፈላለዩ ክፍልታት ሕ/ሰብን ኣካላትን ዝወከልና ተሳተፍቲ ብሄራዊ ኮንፈረንስ፣ ዘለና ፖለቲካዊ ኣፈላላይ፣ ትሕቲ ትግራይናን ህዝቢ ትግራይን ምዃኑ ኣሚና፡ ሕዚ ዘለናሉ ናይ ምህላውን ዘይምህላውን ተኳሳሓይን ዘይተገማታይን ንኡስ መድረኽ ምስጋር ዝከኣል፣ብሄራዊ ሓድነትና ኣጠናኺርናን ከም ኣርቓይ ረቢብናን ጥራሕን ጥራሕን ምዃኑ ደምዲምና ኣለና። በዚ መሰረት ብሄራዊ ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ንምድልዳል ብውነን ወነን ንምፍፃም ከም እንረባረብ ቃል ንኣቱ።

5) ስትራተጂክ ዓቅምታት ትግራይና፡ ቅድም ክብል ዝወስንዎም ውሳኔታት ዓቕምና ዘጠናኸሩን ወቅታውን ብምዃኖም ብህፁፅ ናብ ነገራዊ ሓይሊ ንምቅያርኣብ ዝግበር ርብርብ እጃምና ከም እነወፊ ቃል ንኣቱ።

6) ካብዞም ዝሓለፉ ልዕሊ ሸውዓተ ዓመታት ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ትግራይናን ህዝቢ ትግራይን፡ ዝተኻየደን ሎሚ እውን ብዘይድምፂ ጥይት ብሰላሕታ ዝካየድ ዘሎ ህዝብና መሊኡ ዘጥፍእ ጆኖሳይዳዊ ኲናት፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘብፅሖን የብፅሖን ዘሎ : ስነ-ልቦናዊ ማህሰይቲ፡ ስነ-ኣእምራዊ ስምብራትን፡ ዓሚቅ ኩሉ መዳያዊ ማሕበረ-ኢኮኖሚያዊ ቅልውላው፡ ህዝብና ወዲብና ዓቕሚ ብዘፍቐዶ ናብ ዳግመ ሕውየትን ህንፀትን ንምእታው ኣድላይ ኩሉ ዓይነት ፃዕርታት ከምእንገብር ነረጋግፅ።

7) ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ብሓፈሻ ኣብ ውሽጥና ዝነበረ ሕማቕ ፖለቲካዊ ኩነታት፡ ብዋናነት ጉጅለ ብሄራዊ ክሕደት፣ ብዝፈፀሞ ጥልመት ምኸንያት፡ ተፈጢሩ ዘሎ ስርዓት ኣልቦነት፡ ኣንሳእሪሮም ዘሎው ኣካብነት ኪራይ፣ ስእነት ሰናይ ምምሕዳር፣ ከምኡ እውን ፍትሕን ምምሕዳራዊ ውሳኔን ብብላዕ ኣብ እንዕድገሉ ብጣዕሚ ኣሰካፊ ኩነታት በፂሕና ኣለና። ብሓፂሩ ሎሚ ይረኣይ ዘሎ ዓሚቅ ምሽርሻር ክብርታት ትግራይ ሓዊስካ እዞም ኩሎም ፀገማት ህዝብና ኣንፀርፂሩን ተስፋ ቆሪዑን፡ ውዕይ ቃልሲ ከይገብር ዝሑል ማይ ብምኸዓው ሓደጋ ብሄራዊ ህልውናና ጫፍ ገደል ክበፅሕ ገይሮም ኣለው። ስለዚ እዞም ፀገማት መሊኦም ሕድሕድና ክንባላዕ ዝገብሩ ምዃኖም ተረዲእና፣ በብኣካልና ውዳባታትና ብምጥንኻር፣ ኣብ መንበሪና እውን ብመልክዕ ኮሚኒቲ ፖሊሲንግ ተወዲብና ህዝብና ቀሲኑ ብሰላም ክኣቱን ክወፅእን እጃምና ብምውፋይ፣ ትግራይና ንናይ ውሽጢ ዘመቲ ይኹኑ ንናይ ደገ ወረርቲ ዓዲ እምቢታ ንምግባር ወሲና ኣለና። ብፍላይ ኣብዙይ እዋን ዘሎ ተሓዋዊስካ ናይ ምዃድ ጉዕዞ በቢ ኣካልና ብገምጋምን ተግባርን ንምዕራይ ከም እንረባረብ ነፍልጥ። ኣብዙይ ጊ/ም/ትግራይን ሓይልታት ፀጥታ ትግራይን ብሓፈሻ ምስ ህዝብና ብፍላይ ምስ መናእሰይ ትግራይና ተዋዲዶም ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝተፈላለዩ ኣረሜናዊ ግፍዕታት ዝፍፅሙ ዝነበሩ ገበነኛታት ካብ ዝተሓብእዎ ሽጓጦ እናውፅኡ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ምውዓል ምጅማሮም ተነፃፃሪ ለውጢ ይርአይ ኣሎ። ስለዚ እዙይ እዎንታዊ ቅዱስ ተግባር ንምብራኸ እጃምና ንምውፋይ ቃል ንኣቱ።

ኣብዚ እዋን ብሓፈሻ ስትራተጂክ ዓቅምታት ትግራይን ብሄራዊ ትካላትን፣ ብፍላይ ዋልታን ማእገርን ህዝብና ዝዀነ ሰራዊት ትግራይና ንምብታን፣ ብዋናነት ከቢድ ኩለ መዳያዊ መስዋእቲ ዝተኸፈሎን ህዝቢ ትግራይ መሊኡ ከይጠፍእ ዝገበሩን ዓወታት ህዝባዊ መኸተና ዘመራስሑ ከምኡ እውን ኣብ ልዕሊ ላዕለዎት ወታደራዊን ፖለቲካዊን መራሕቲ ትግራይና ዝግበር መፀለምታ ሓሶት ፣ ትግራይ ብዘይኣመራርሓ ጥራሕ ኢዳ ኣትሪፍካ፡ ትግራይ ትበሃልን ህዝብን ነበረያ ነበረ ንምግባር፣ ወረርቲ ሓይልታትን ሓሽኪሮምን ጉጅለ ብሄራዊ ክሕደትን መሻርኸቱን ዝኣለምዎ እከይ ውዲት ብጥብቒ እናኰነንና፣ ጊ/ም/ትግራይ እውን፡ እዞም ነውርን ንቡርን ዘይፈልጡ ኣካላት ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ ብሄራዊ ትካላትና፡ ብዋናነት ኣብ ስትራተጂክ ኣመራርሓ ትግራይናን ብፍላይ ባዕለን በቢመድረኹ መስደመም ቅያ ሰሪሐን ጀጋኑ ዋዕሮታትን ሓየታትን ዝፈጠራ ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣነስትዮ ትግራይና ብቀንዱ ኣብ ልምዓት ጉጅለና ዝፈፀምዎ መሕፈራይ ግፍዕታት፡ ሕዚ እውን ብውልቀ፣ ብውዳበ፣ ብሚድያን ስውር ኔትዎርክን ዝነዝሕዎ ዘለው መዕነዋይ ናይ ጥፍኣት ፀለመን ኩለ መዳያዊ ጥቕዓትን ብሕጋዊ መንገዲ ስርዓት ንምትሓዝ ዝወስዶም ስጉምትታት ብምድጋፍ እጃምና ከም እነወፊ ቃል ንኣቱ።

9) ቅድሚ ኣዋርሕ ህዝቢ ትግራይ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ጀሚሩዎ ዘሎ ርክብ ናይክልቲኦም ህዝብታት ድሌትን እንኮ ሕርያን ሰላም ምዃኑ ንፈታውን ፀላእን ብግልፂ ኣርእዩ እዩ። ስለዙይ እዚ ርክብ ህዝቢ ንህዝቢ ሕውነት፡ ምሕዝነትን ሓቢርካ ምዕባይን ዘጠናኸር ዝተቐደሰ ተግባር ዘለና ናእዳን ድጋፍን እናገለፅና፡ ተጠናኺሩ ናብ ዝለዓለ ብራኸ ንክሰጋገር እጃምና ከም እነወፊ ነፍልጥ። ርክብ ህዝቢ ንህዝቢ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ጥራሕ ከይኮነስ ብሓፈሻ ምስ ኩሎም ብሄር : ብሄረ ሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ፣ ብፍላይ ምስ ጎራብቲ ህዝብታት ዓፋር፡ ኣገው፣ ኣምሓራ፡ ከምኡ እውን ካብ ዝሓለፉ ብዙሕ ዓመታት ጀሚሩ መዕቆብን ሓብሓቢን ህዝብና ዝኰነ ፣ ርህሩህ ህዝቢ ሱዳን ርክብና ብዝበለፀ ንምሕያል ዓቅምና ዘፍቀዶ ኩሉ ንምግባር ወሲና ኣለና።

10) ላዕላዊነት ምርግጋፅ፡ እንትብሃል ግዝኣታዊ ሓድነት ብምምላስ ጥራሕ ዝግለፅ ኣይኮነን። ናይ ህዝቢ ናይ ምውሳን ስልጣን ህያው ንምግባር፣ ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ህዝቢ ትግራይ ብምግቢ ባዕሉ ክኸእል ኣለዎ። ስለዙይ፣ ሕዚ ብዝናብ ክረምቲ በቂሉ ዘሎ ዝራእቲ፡ ኣብ ቆፎ ሓረስታይ ክሳብ ዝኣትው ዘሎ ከይዲ ብፍላይ፣ እዋኑ ብዘይሓለወ ዝናብ ብዝተፈላለዩ ባልዓት፣ ሓሳኹን ከይጥቃዕ፡ ከምኡ እውን ህዝብና ብኽነት ዝዕድሙ ወፃኢታት ክቕንስ፡ ንሕና ተሳተፍቲ ብሄራዊ ኮንፈረንስ፣ በብኣካሉ ዘሎ ኣባልና ወዲብና ኣድላይ ሓገዝ ከምእንገብርን ሓረስታይና ቀልጢፉ ናይ መስኖ ስራሕቲ ክኣቱ እናዘኻኸርና ሰብሃብቲ ትግራይ፣ ገበርቲ ሰናይ ትካላትን፣ ግቡእ ሓገዝ ክገብሩ ንዕውዕ።

11) ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዝነበረ ሕማቅ ፖለቲካዊ ኩነታት፣ ኣብ ልዕሊ ዲያስፖራ ትግራይና እውን ኣሉታዊ ፅልዋ ብምሕዳር ፣ ውዳበታቱ ክፈርስን፡ ሕድሕዱ ተኸፋፋሉ ብዓይኒ ማዕዶ ክረኣኣይን ገይሩ እዩ። እንተኰነ ሕዚ እቲ በታናይ ኣረኣእያ ተሰይሩ፣ ብሄራዊ ሓድነትና እናጠጠዐ ዝጉልብተሉ ኩነታት ተፈጢሩ ኣሎ። ስለዙይ ዲያስፖራ ትግራይና እውን ዘሎውዎ ብካልኣይ ደረጃ ዝስርዑ ኣፈላላያት፣ ሕዚ ንጎኒ ኣወንዚፉ፡ ከም ወትሩ ብሄራዊ ሓድነቱ ኣጠናኪሩ፣ ብሓዱሽ ቅኒት ዝገብሮ ዲፕሎማሲያዊ ምንቅስቓስ፡ ዓለም ዝመስከረሉ ስጡም ሓድነቱ ዓቒቡ፣ ኣብ ምውሓስን ምርግጋፅ ህልውና ትግራይናን ክረባረብ ፃውዒትና ነቕርብ።

12) ኣብ ትግራይ ናይ ሓሳብን ፖለቲካዊን ኣፈላላይ ምህላው ንቡርን ቕቡልን እዩ። እንተኾነ እቲ ዘሎ ኣፈላላይ ሕገ መንግስቲ፣ ካልኦት ሕግታትን ክብርታትን ህዝቢ ትግራይ መሰረት ገይሩ ብዝሰልጠነን ሰላማዊን ኣገባብ ክፍፀም ይግባእ። ካብዚ ወፃኢ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ኣለኒ ብዝብል ጉልባብ ድሌትኻ ብሓይለ መልጢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ንምፅዓን ብረት ኣፈሙዝ ናብ ህዝብናን ሰራዊት ትግራይናን ምቅናዕ ቀይሕ መስመር ምሕላፍ ምዃኑ ክስመረሉ ይግባእ። ስለዚ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ብገርሂ ይኹን ብጉርሒ፡ ገረብ ብሓኽላ ብዝብል ብሂልን ብመትከል ከፋፊልካ ግዝኣን፡ መሳርሒ፤ ወረርትን ጉጅለ ብሄራዊ ክሕደትን ኮይንኩም፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይን ሰራዊት ትግራይን ጥቕዓት ንምፍፃም ትገብርዎ እኩይ ምንቅስቃስ ብጥብቂ ንኩንን። ብኣንፃሩ ብረት ኣፈሙዝ ኣልዒልኩም ዝነበርኩም ደቂ ትግራይ፡ ስትራተጂክ ዓቅምታት ትግራይና ዘቅረብልኩም ፃውዒት ተቀቢልኩምን እቶም እከይ ድሌቶም ንምርዋይ ክብሉ፡ ኣደናጊሮም ኣዋፊሮምኩም ዝነበሩ ከዳዓትን ጠላማትን ሽርሒ ተረዲእኩም ናብ ዓድኩም ትግራይ ምምላስኩም እናነኣድና፡ ኣብኡ ዝተረፍኩም ድማ ፀሊም ታሪኽ ፅሒፍኩም ካብ እትሓልፉ፡ ሕዚ እውን ኣይረፈደን ኢልኩም ናብ ህዝብኹም ክትምለሱ፡ ንሕና፡ ተሳተፍቲ ብሄራዊ ኮንፈረንስ ብስም ህዝቢ ትግራይ ደጊምና ፃውዒትና እንትነቕርብ ውዲት ፀላኢን ጉጅለ ብሄራዊ ክሕደትን በጣጢስኩም ከም እትምለሱ ተስፋ ብምግባርእዩ።

13) ብደምን ኣፅምትን ህዝቢ ትግራይ፣ ዝተጠረያ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘለዋ ሚድያታት ትግራይ፡ ኣብ ወፃኢ ኮይኖም ብሳተላይት ዘመሓላልፉ ሚድያታት፡ ብውልቀን ብጉጅለን ተወዲቦም፣ ህዝባዊ መኸተና ኣብ ምዕዋት ዝተረባረብኩም ዩቲበራትን ነጠፍት ኦን ላይን ሚድያ ደቂ ትግራይ ፡ ከምኡ እውን ሰብ ሙያ ስነ-ጥበብን ስነ-ኪነትን ትግራይ ዝተፃወትክምዎን ትፃዎትዎን ዘለኩም መተካእታ ዘይብሉ ተራ፡ ኣብ ታሪክ ህዝቢ ትግራይ ናይ ባዕሉ ፍሉይ ቦታ ሒዙ ወለዶታት እናተቀባበልዎ ዝነብር ህያው ተግባር እዩ። ሕዚ እውን ኣጋጢሙና ዘሎ ሓደጋ ብሄራዊ ህላወ ንምክባስ፣ ዕዙዝ ተራ ከም እትፃወቱ ንሕና ተሳተፍቲ ብሄራዊ ኮንፈረንስ ንተኣማመን ኢና። ብኣንፃሩ ፣ ካብ ዕባሕ ስምምዕ ፕሪቶርያ ጀሚሩ ክሳብ ሕዚ ፡ ኣንፃር ረብሓ ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ጠጠው ኢልኩም፣ ህዝቢ ትግራይ ብከባብያዊነት ተከፋፊሉ ሕድሕዱ ክጨፋጨፍን ብሄራዊ ትካላትና ንክፈርሱ ብቐንዱ ዓወታት ህዝባዊ መኸተና ፀለሎ እናለኸኹም ብምንሻው መርዛም ዘረባ ፅልኢት ትነዝሑ ሚድያታት ታሪኸ ይቅረ ዘይብሎ በሰላ ተዕርፉ ከም ዘለኹም ተገንዚብኩም ካብዚ ተግባርኩም ክትቑጠቡ ንዕውዕ። ጊ/ም/ትግራይ ድማ ኣብተን እንኮ ጥሪት ህዝቢ ትግራይ ዝዀና፡ ሚድያታት 1 ቅልጡፍ ምትዕርራይ ንኽግበር ግቡእ ኣመራርሓ ብምሃብ፡ እዘን ሚድያታት ኣብ ጎኒ ዘይተዛዘመ ህዝባዊ መከተና ክስለፋን ሙያዊ ስነ ምግባር ጥራሕን ጥራሕን ተኸቲለን ክሰርሓን ኣድላይ ዘበለ ፃዕሪ ክገብር፣ ብኣንፃሩ ኣብ ናይጥፍኣት እከይ ተግባር ተሸኺሎም ብስም ነፃነት ሚድያ፡ መዕነዋይ ተግባሮም ንምቅፃል፡ ኣብ ልዕሊ ዝወሰኑ ኣካላት ሚድያ፡ ጊ/ም/ትግራይና ዝወስዶ ሕጋዊ ስጉምቲ ብምድጋፍ፣ እጃምና ከምእነወፊ ንሕና ተሳተፍቲ ብሄራዊ ኮንፈረንስ ቃል ንኣቱ።

ሐ. ፃውዒት ንዝተፈላለዩ ኣካላት !!

=====================

ፃውዒት ንህዝቢ ትግራይ !!

ኣብ ውሽጢ ዓድን ዝተፈላለዩ ወፃኢ ሃገራትን እትነብር ህዝብና፡ ኣብ ዝሓለፉ ናይ ሞትን ሕውየትን፡ ልዕሊ ሽውዓተ ዓመታት (7)፡ ዘጋጠሙኻ ብቃላት ንምግላፅ ዘፀግሙ ማእለያ ዘይብሎም ፀገማት፣ ተፃዊርካ 1 ንፃት እውን ከይተንበርከኻ ምዝላቕካ፡ ሕዚ እውን ንሕና ተሳተፍቲ እዚ ብሄራዊ ኮንፈረንስ፣ ደጊምና እንኳዕ ካብዚ ህዝቢ እዙይ ተፈጠርና እንትንብል ሐበን ይስመዓና። ብምኳኑ ንዓኻ ወኪልና ዝወሰናዮም ውሳኔታት ዓትዒትካ ሒዝካ፡ ከይውዓለ ከይሓደሩ ከምወትሩ ናብ ነገራዊ ሓይሊ ከም እትቅይሮም ኣየጠራጥርን። ኣብ እትገብሮ ርብርብ ድማ ንሕና ተሳተፍቲ ብሄራዊ ኮንፈረንስ ግንባር ቀደም ኮይንና እጃምና ከምእነወፊ ነረጋግፀልካ ንፈቱ። በዚ ኣጋጣሚ ብጉጅለ ብሄራዊ ክሕደት ጅሆተታሒዝካ ዝነበርካ ነባራይ ዞባ ደቡብ ትግራይ ህዝብና ካብ መስመርካ ፈተኸ ከይበልካን ብዝገበርካዮ መሪር ቃልሲ ሓራ ብምውፃእኻ ከምኡ እውን ኣብ ስደትን ኣብ ትሕቲ ወረርትን ኮይንካ ብፅንዓት ትቃለስ ዘለኻ ነባራይ ዞባ ምዕራብ ትግራይህዝብና ንእትገብሮ ዘለኻ ተጋድሎ ዘለና ኸብሪ እንትንገልፅ ሓበን ይስመዐና። ፃውዒት ንሰራዊት ትግራይ !!

ብሓፈሻ ዋልታን ማእገርን ትግራይናን ህዝብናን ዝኰንካ ሰራዊት ትግራይና፡ ኣብዞም ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት (5) ቁሪ፣ ሃሩር፣ ንፋስ፣ ጥምየት፣ ዕርቃን፡ ብሓፂሩ ተፈጥራዊን ሰራሕ ሰብን ፀገማት ከይፈትሑኻ፡ ዕማማት ህዝባዊ መኸተና ብዓወት ከይተኸምበቱ፣ ወይከ ፈተኸ ኢልካ፡ እትጥውሮም ስድራቤት ገዲፍካ መርዓን ደርዓን ድሕሪ ዓወት ኢልኩም ኣብ መስርዕኩምን ዘለኩም ወለድና፡ ኣሓትናን ኣሕዋትና ዋዕሮታትናን ሓየታትን ደቂ ትግራይና፣ መዘና ኣልቦ ፅንዓትኩምን ጅግንነትኩምን ብኣግባቡ ብዝምጥን ቃላት ንምግላፅ ዋላ ዘፀግም እንተኰነ፣ ሎሚ እውን ከም ትማሊ ብኣኹም ከም እንተኣማመን እንትንገልፅ ክብሪ ይስመዓና። ስለዙይ ንሕና ተሳተፍቲ ብሄራዊ ኮንፈረንስ ትግራይ፡ኣብ ጎንኩም ተሰሊፍና፡ ዓቕሚ ብዘፍቀዶ ኣድላይ ዘበለ ኩሉ ከምእንገብር ቃል እንትንኣቱ፡ በብደረጅኡ ዘሎኹም ኣመራርሓ፡ ዋዕሮታትን ሓየታትን ሰራዊት ትግራይና ድማ ውሳኔታትና፣ ብግቡእ ተረዲእኹም ተግባራዊ ከም እትገብርዎ ንተኣማመን።

ፃውዒት ንጊ/ም/ትግራይ !!

==================

ጊ/ም/ትግራይ ዝተውሃብዎ ዓበይቲ ዕማማት ዓትዒቱ ሒዙ ብጊዜ የለን መንፈስ ክፍፅም እናሓተትና ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ብሄራዊ ትካላትና ማለት እውን ከም በዓል ትእምትን ማሕበር ልምዓት ትግራይን ሓዊስካ ብስትራተጂክዓቅምታት ትግራይና ዝተወሰኑ ዝተፈላለዩ ዓበይቲ ጉዳያት ብእዋኑ ስለዘይተፈፀሙ ሓደጋ ብሄራዊ ህላወና ንኸጋደድ ምኽንያት ይኾኑ ኣለው። ስለዙይ ጊ/ም/ትግራይእቶም ውሳኔታት ብጊዜ የለን መንፈስ ናብ ነገራዊ ሓይሊ ክቕይሮም ንፅውዕ።

ፃውዒት ንውድብ ህወሓት !!

==================

ኣብ ዝሓለፉ 50 ናይ ፅንዓት፣ ቃልሲን ዓወትን ዓመታት፡ ሀወሓት ምልኣተ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጎኑ ኣዕሲሉ ታሪኸ ንዘላለም እናዘንተወ ዝነብር ኩለ መዳያዊ መስተንክር ቅያ ከም ዝሰርሐ ህያው ምስክር እዩ። እንተዀነ ብሓፈሻ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብፍላይ ካብ ፅባሕ ምፍራም ስምምዕ ፕሪቶርያ ጀሚሩ ብፍላይ ኣብ ውሽጡ ተሽጕጡ ብዝነበረ ከዳዕ ሓይሊ ኣብ ጫፍ ምብትታን በፂሑ ነይሩ እዩ። ይኹን ድኣ እምበር ህዝባዊ መስመሩ ዓትዒቱ ሒዙን ወናኒ እቲ ውድብ ዝኾነ ካብ መትከሉ ፈተኸ ዘይብል ፅኑዕ ህዝቢ ትግራይ፡ ኣብ ጎኑ ኣሰሊፉን ናይ ሞትን ሕየትን መሪር ቃልሲ ገይሩ ኣብ መበል 14 ውድባዊ ጉባኤኡ ህልውንኡ ኣረጋጊፁ ካብ ጠቕላልካ ምፍራስ ድሒኑ እዩ። እንተኾነ ሕዚ እውን ኣብ ኣመራርሕኡን ኣባላቱን ዝረኣዩ ማለት እውን ኣካብነት ኪራይ ሓዊስካ ኩሎም ዓይነት ሕመቓት ብዘይምሕረት ተቃሊሱ እዚ ታሪኻዊ ውድብ ክልተ ስጉሚ ንቅድሚት ንክምርሽ ውሽጣዊ ቃልሱ ኣጠናኺሩ ንክቕፅል ንፅውዕ።

ፃውዒት ንብሄራዊ ውድባት፣ሲቪክ ማሕበራትን ዲያስፖራ ትግራይን !!

==========================================

ኣብ ህዝባዊ መኸተና ግቡእኹም ዝፈፀምኩም ብሄራውያን ውድባት ትግራይ፣ ትካላት ሃይማኖትን ስቪክ ማሕበራትን ዲያስፖራ ትግራይን ከምቲ ትማሊ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና ትግራይና ካብ ሙሉእ ጥፍኣት ዘድሐና፡ ሕዚ እውን ገጢሙና ዘሎ ሓደጋ ብሄራዊ ህላወ ንምኸባስ ንሕና ተሳተፍቲ ህዝባዊ ኮንፈረንስ ንብሄራዊ ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሓናዮም መደምደምታታትን ውሳኔታትን ኣብ ልዕሊ ህዝብና ኣንፀላልዩ ዘሎ ኲናት ንምትራፍ ምዃኑ ተረዲእኹም እጃምኩም ክተወፍዩ ንፅውዕ።

ፃውዒት፡ ንብሄር፣ ብሄረ ሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ !!

==================================

መትከላዊ እምነት ህዝቢ ትግራይን፡ ተሳተፍቲ ብሄራዊ ኮንፈረንስ ህዝቢ ትግራይን ሰላም እዩ። እንተኰነ፡ ህዝቢ ትግራይ ጥራሕ ሰላም ስለዝበለ ሰላም ኣይነግስን። ከምዝፍለጥ ኣብ ዝሓለፉ፡ ልዕሊ ሽውዓተ ዓመታት፣ ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ፡ ሰላም ሓሪምዎም፤ ኣብ ዝኸፍእ ሕሱም ናብራ ጥሒሎም ከም ዘሎው፡ ህዝቢ ትግራይ ይኹን ንሕና ተሳተፍቲ ብሄራዊ ኮንፈረንስ ንፈልጥ ኢና። ብሓፂሩ ኣብዚ እዋን ብሄር ፡ ብሄረ ሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ፡ ግዳይሞት፡ ስደት፡ ጥምየትን ሕማምን ኮይኖም ሓሰራ መከራ ክበልዑ ተገዲዶም ዘሎውሉ ቀንዲ ምኸንያት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኩሉ ከባቢታት እታ ሃገር መሰሉ ዝሓተተ ህዝቢ ብወታደራዊ ግጥም ህዝቢ ንምንብርካኸ መሪፁ፡ መዕለቢኡ ዘይፍለጥ ባርዕ ሓዊ ወሊዑ ይቅፅል ስለዘሎ እዩ። ብምዃኑ ብሄር፣ ብሄረ ሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ኢትዮጵያ የካይዶ ዘሎ ኲናት ብህፁፅ ጠጠው ኣቢሉ ፀገማት ብዘተ ንምፍታሕ ጥጡሕ ባይታ ንከመቻቹ ድምፅኹም ክተስምዑ ንፅውዕ።

ፃውዒት ንመንግስቲ ኢትዮጵያ !!

=====================

ህዝቢ ትግራይ፡ ሰራዊት ትግራይ፣ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝተፈራረመ ውድብ ህወሓት፡ ኣብ መኸተ ዝተሳተፉ ብሄራዊ ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይ፡ ትካላት ሃይማኖት ሓዊስካ ኩሎም ናይ ስቪክ ማሕበራትን፡ ዲያስፖራ ትግራይን ስምምዕ ፕሪቶርያ፡ ፅባሕ ድሕሪ ዕባሕ ክትግበር እዩ ብምባል፣ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብጉጅለ ብሄራዊ ክሕደትን መሻርኽቱን ዝበፅሖምን ይቕፅል ዘሎን ማእለያ ዘይብሉ፣ ዕፅዋን ክባን፡ ዝተነዝሐ ፀለመን ዝተፈተነ ቶኸታኸ ኲናትን ተፃዊሮም ዓመታት ዘሊቆም ኣለው። እንተዀነ ነዚ ብትዕግስትን ፀዋርነትን ዝሓልፍዎ ዘለው ፀገም ከም ድኸመት ብምቁፃር፡ ፀሊም ደበና ክረምቲ ዝመስል ነጋሪት ኲናት ኣብ ልዕሊኦም ብምንፅልላይ፣ ህዝብና ናብ ሻቅሎት ክኣትው ተገይሩ ኣሎ። እንተዀነ ብወገን ትግራይ ዝግበር ዘሎ ምንቅስቓስ : ምእንተ ሰላም ኲናት ንምትራፍ ምኳኑ ንሕና ተሳተፍቲ ብሄራዊ ኮንፈረንስ እንትንገልፅ : መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን፡ ኣፈሙዝ ብረቱ ንቑልቑል ኣፉ ደፊኡ : ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ንፖለቲካዊ ዘተ ቅሩብ ክኸውን ንፅውዕ።

ፃውዒት ንህዝቢ ኤርትራ !!

================

ኣብዚ እዋን እዙይ ተጀሚሩ ዘሎ ርክብ ህዝቢ ንህዝቢ ተጠናኺሩ ንክቅፅልን ናብ ዝለዓለ ብራኸ ንክሰጋገርን ንሕና ተሳተፍቲ ብሄራዊ ኮንፈረንስ እጃምና ከምእነወፊ እንትንገልፀልካ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይን ኤርትራን ኣንፀላሊዩ ዘሎን ቀርኒ ኣፍሪካ ካብ ዝሓመቐ ናብ ዝኸፍአ ሕምስምስ፡ ዘእቱ 1 ሓደጋ ጥፍኣት ኲናት ብርሕቑ ንምትራፍ ብወገና ዝከኣለና ፃዕሪ ከምእንገብር እንተነረጋገፀልካ፡ ብወገንካ እውን ዋዕ ኢልካ ድምፅኻ ብምስማዕ እጃምካ ክተወፍን ንሰላም ሓቢርና ክንሰርሕን ፃውዒትና ነቕርብ።

ፃውዒት ንዓለምለኸ ማሕበረሰብን ክፍለ ኣህጉራውያን ትካላትን !!

=======================================

ስምምዕ ፕሪቶርያ ንክፍረም ዝገበርክምዎ ዘይተሓለለ ፃዕሪ ታሪኸ ንዘልኣለም እናዘንተዎ ዝነብር ዓብይ ፍፃመ እዩ። ይኹን እምበር ኣብ ምፍርራም እቲ ስምምዕ ዘርኣኸምዎ ሓላፍነት ዝተመልኦ ተበግሶን ተወፋይነትን፡ ኣብ ኣተገባብርኡ ክትደግምዎ ኣይከኣልኩምን። ብምዃኑ ህዝብና ግዳይ ሞት፣ ሕማም፣ ጥምየት፡ ማእሰርትን ማግረፍትን ካብ ምዃን ሓሊፉ ኣደዳ ዝብኢ ዝኾነሉ ኩነታት ተፈጢሩ ኣሎ። ስለዙይ መንግስቲ ሕቡራት መንግስትታት ኣሜሪካ ፣ ትካላት ሕቡራት መንግስታት፣ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ሕብረት ኣፍሪካ፣ ኢጋድን ዝምልከተኩም ኩሎኹም ደለይቲ ሰላም መድረግቲ ኣካላትን ተዓዘብትን ዓሰራ መከራ ህዝብና ንከብቕዕ፡ ሰለስተ ዓመት ክቑዕር ብኣፃብዕቲ ዝቑፀሩ መዓልትታት ተሪፍዎ ዘሎ ስምምዕ ፕሪቶርያ፡ ንክትግበር፡ ፖለቲካዊ፣ ሕጋዊ ሰብኣዊን ሞራላዊን ሓላፍነትኩም ክትዋፅኡ ፃውዒት እንትነቅርብ፡ ናይ ቃል ከይኮነስ ተግባራዊ ምላሽ ብምሃብ፡ ካብ ብታሪኸ ተሓታትነት ንምድሓን ከምእትንቀሳቀስ ተስፋ ንገብር።

ኣብ መወዳእታ፡ ብሄራዊ ኮንፈረንስና ደሚቑ ብዕውት ኣገባብ ንክዛዘም ከየንቲ ትግራይ፡ ኣካላት ሚድያን ዝሓገዝኩምና ኩሎኹም መድረግቲ ኣካላትን ዘለና ናእዳ እናገለፅና፣ ንሕና ተሳተፍቲ ህዝባዊ ኮንፈረንስን ንብሄራዊ ሓድነት ህዝቢ ትግራይ፣ ሕዚ ኣብ ትግራይና ዝፍጠር ዘሎ ሓድነት ኣበሪኸና፣ ዝወሰናዮም ኩሎም ውሳኔታት፣ ቆፂርና ሒዝና፡ ተግባራዊ ንክኰኑ እጃምና ብምውፋይትግራይናን ህዝቢ ትግራይን ናብ ምዕራፍ ደግመ ሕውየትን ህንፀትን ከምዝሰጋገርዘለና እምነት ዝለዓለ እዩ። ኣብ ውሽጢ ዓዲን ዝተፈላለዩ ወፃኢ ሃገራትን ዝነብርህዝብና ድማ ኣብ ሓዱሽ ዓመት 2018 ዓ/ም ብዝለዓለ ናይ ቃልሲ መንፈስ : ብወነን ብውነን ተረባሪቡ ተወሳኺ ሓዱሽ ታሪኸ ከምዝፅሕፍ ብምትእምማን እዩ። ሓዱሽ ዓመት 2018 ዓ/ም ሰናይ ናይ ቃልስን ዓወትን ዓመት ክኾነልና ድማ ንምነ።

ዘለኣለማዊ ክብሪ ንኩሎም ስውኣት ደቂ ትግራይ!!

ብሄራዊ ሓድነት – ንምውሓስ ብሄራዊ ህላወን ድሕንነትን ትግራይና !!

ትግራይ ትስዕር!!

ተሳተፍቲ “ህዝባዊ ኮንፈረንስ ንብሄራዊ ሓድነት ህዝቢ ትግራይ’

መስከረም 25/2018 ዓ/ም

መቐለ