Home ዜና ውሽጢ ዓዲ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ እዋን ሰብኣዊ ቕልውላው ብዘርኣይዎ ብሉፅ ኣመራርሓ ካብ ዩኒቨርሲቲ...

ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ እዋን ሰብኣዊ ቕልውላው ብዘርኣይዎ ብሉፅ ኣመራርሓ ካብ ዩኒቨርሲቲ ሃርቫርድ ሽልማት ተዋሂቦም።

148

መቐለ፥ መስከረም 29/2018 ዓ.ም. (ቴሌቪዥን ትግራይ)

ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ እዋን ሰብኣዊ ቕልውላው ብዘርኣዩዎ ብሉፅ ኣመራርሓ ካብ ዩኒቨርሲቲ ሃርቫርድ “ሽልማት ሰብኣዊነት ኤልሳቤጥ ቢ ዋይንትዝ” ተሸሊሞም።

ዩኒቨርሲቲ ሃርቫርድ ካብ 2015 ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ጀሚሩ ኣብ እዋን ሰብኣዊ ቕልውላው ብሉፅ ኣመራርሓ ንዘርኣየን ራእይ ዘለዎን “ህዝባዊነት ዘለዎ ሰብ” ብዝብል በቢዓመቱ “ሽልማት ሰብኣውነት ኤልሳቤጥ ቢ ዋይንትዝ” የዳልው።

ሎሚ ዓመት ድማ ዓለምና ብዂናት፣ ተላበድቲ ሕማምት፣ ማእለያ ዘይብሎም ቕልውላዋት ኣብ ዘላትሉ እዋን፣ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ ፈታኒ ኵነታት ኾይኖም ንዘርኣይዎ ብሉፅ ኣመራርሓን ሰብኣውነትን “ሽልማት ሰብኣዊነት ኤልሳቤጥ ቢ ዋይንትዝ” ኣበርኪትሎም ዩኒቨርሲቲ ሃርቨርድ።

ነቲ ሽልማት ሎሚ ካብ ሃርቫርድ ዩኒቨርሲቲ ዝተቐበሉ ዋና ዳይሬክተር ትካል ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ነቲ ሽልማት ብዓሚቕ ምስጋና፣ ሓበንን ትሕትናን እየ ዝቕበሎ ኢሎም።

እዚ ሽልማት ኣብ ውድብ ጥዕና ዓለም ብዘለዉ ኵሎም መሳርሕተይ ሽም እየ ዝቕበሎ ናታቶም ውፅኢት እውን ስለዝኾነ ክብሉ ድማ ገሊፆም ።

ኣብ ጋዛ ኣብ ትሕቲ ከቢድ ኩናት ኮይኖም፥ ህይወት ዘድሕን ክንክን ዝህቡ ዘለዉ መሳርሕተይ፣ ኣብ ዲሞክራቲክ ኮንጎ ንለበዳ ኢቦላ ምላሽ ዝሃቡን ዝህቡን ዘለዉን ሰብ ሞያ፣ ኣብ ሱዳን ንዓመታት ብዝቐፀለ ኲናት ሕድሕድ ዝተጋደደ ለበዳ ሕማም ኮሌራ ንምክልኻልን፣ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈታትን ኣብ 150 ሃገራት ንዘለዉ መሳርሕተይ ኣፍልጦ ዝሃበ ሽልማት እዩ ኢሎም ዶ/ር ቴድሮስ።

ኣብ ዓለምና ካብቶም ብሉፃት ዝበሃሉ ዩኒቨርሲቲታት ሓደ ኣብ ዝኾነ ኣብ ኣሜሪካ ዝርከብ ዩኒቨርስቲ ሃርቨርድ ዝወሃብ ሽልማት ሰብኣዊነት (Elisabeth B. Weintz Humanitarian award ) ኤልሳቤጥ ቤትሲ ዋይንትዝ ንምዝካርን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሃርቫርድ ኣብ ሰብኣዊ ኣመራርሓ ንዝገበረቶ ብሉፅ ኣበርክቶ ኣፍልጦ ብምሃብን ዝብርከት ሽልማት እዩ።

#ኪሮስ_መሓሪ