Home ዓለምለኻዊ ዜና ጋዜጠኛታት ምዝራብ እንተተኸልኪሎም ኩላትና ልሳንና ይዕፆ-ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተሬዝ

ጋዜጠኛታት ምዝራብ እንተተኸልኪሎም ኩላትና ልሳንና ይዕፆ-ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተሬዝ

57

ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተሬዝ ብምኽንያት ”መዓልቲ ደው ምባል ዘይተሓታትነት ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ዝፍፀሙ ገበናት” መልኽቲ ኣሕሊፎም።

ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት መቕፃዕቲ ዘወርዱ ኣካላት ክሕተቱን ኩሎም ሰብ ሞያ ሚድያ ስርሖም ብውሑስነት ክሰርሑን እቶም ዋና ፀሓፊ ፀዊዖም።

ጋዜጠኛታት ከፅቅጡ እንተተገዲዶም ናይ ኩላትና ልሳን እዩ ዝዕፆ ዝበሉ ጉተሬዝ ሰብ ሞያ ጋዜጠኝነት ሓቂታት ንምእላሽ እንትፅዕሩ፥ ፀርፊ፣ ምፍርራሕ፣ ኣካላዊ መጥቓዕቲ፣ስቅያት፣ ማእሰርቲን ሞትን የጋጥሞም ምህላዉ ኣረዲኦም።

ንምሕላው ናፅነት ፕሬስን ምርግጋፅ ተሓታትነትን ብሓባር ደው ክንብል ይግባእ ዝበሉ እቶም ዋና ፀሓፊ ሓቂ ዘቕርቡ ጋዜጠኛታት ውሕስና ተሰሚዑዎም ክሰርሑ ክግበር ፀዊዖም።

ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ዝፍፀሙ ጥሕሰታት ኣብቶም ሰብ ሞያን ስድርኦምን ጥራይ ዝድረቱ ከምዘይኮኑን የግዳስ ኣብ ልዕሊ ዲሞክራሲ እውን ዝፍፀሙ ጥሕሰታት ምዃኖም ክፍለጥ ይግባእ ኢሎም።

መዓልቲ ደው ምባል ዘይተሓታትነት ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ዝፍፀሙ ገበናት (The international day to end impunity for crimes against journalists) በቢ ዓመቱ 2 ሕዳር (ኣ.ኣ) ይኽበር።

#ዲማ_ኣማረ