Home ዜና ውሽጢ ዓዲ ፀገም ዝስተ ማይ ከተማ መቐለ ብ ዓቕሚ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ዝፍታሕ ኣይኮነን...

ፀገም ዝስተ ማይ ከተማ መቐለ ብ ዓቕሚ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ዝፍታሕ ኣይኮነን – ከንቲባ ከተማ መቐለ

291

መቐለ፥መስከረም 22/2018 ዓ.ም. (ቴሌቭዥን ትግራይ)

ፀገም ፅሩይ ዝስተ ማይ ከተማ መቐለ ብ ዓቕሚ ምምሕዳር እታ ከተማ ክፍታሕ ከምዘይኽእል ሎሚ ቀፂሉ ኣብ ዝውዓለ 4ይ ዘመን መበል 37 ስሩዕ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ከተማ መቐለ ተሓቢሩ።

አባላት ቤት ምኽሪ ከተማ መቐለ ንንግዲ ተባሂሎም ኣብ ዝዳለው ቦታታት እኹል መሰረተ ልምዓት ዘይምምላእ ፣ኣብ ጥርዓን ዘሎ 3ይ ዙር 70 ካሬ፣ ፀገም ማይን መብራህቲን ከተማ መቐለን ካልኦትን መሰረት ዝገበሩ ሕቶታት ኣቅሪቦም እዮም።

ነዞም ዝተለዓሉ ሕቶታት መብርሂ ዝሃቡ ከንቲባ ከተማ መቐለ ረዳኢ በርሀ (ዶ.ር) ምምሕዳር ከተማ መቐለ ኣብ 2017 ዓ.ም ከባቢ 12 ቢሊዮን ብር እቶታ ብምእካብ መሰረተ ልምዓታት ንምህናፅ ትልሚ ሕዙ ዋላ እንተነበረ ካብዚ 4.3 ቢሊዮን ጥራሕ ከምዝኣከበ ኣዘኻኺሮም። በዚ ድማ እቶም ፕሮጀክታት ናብ ዝቅፅሉ 2 ዓመት ክሰጋገሩ ከም ዝተገበሩ ብምግላፅ ነዚ ስዒቡ ሓደሽቲ ፕሮጀክትታት ክተሓዝ ከም ዘይከኣለ ሓቢሮም።

ተደጋጋሚ ሕቶን ጥርዓንን ዝቐርበሉ ዘሎ ፀገም ዝስተ ማይ ከተማ መቐለ ብዓቕሚ ምምሕዳር እታ ከተማ ክፍታሕ ከምዘይኽእል ረዳኢ በርሀ ( ዶ.ር) ተዛሪቦም። ብመንግስቲ ፌደራል ተጀሚሩ ብሰንኪ ኲናት ህንፀቱ ተቛሪፁ ዘሎ ፕሮጀክት ማይ ግድብ ገረብ ግባ ናብ ስራሕ ክኣቱ ምግባር እቲ ፀገም ማይ ከቃልል ከምዝኽእል ገሊፆም።

ዛጊድ ኣብ ማሕበራት ዓርሰ ምትሕግጋዝ 3ይ ዙር 70 ካሬ ዝተሓቖፈ ልዕሊ 60 ሽሕ ነባሪ ከተማ መቐለ ከም ዘሎ ዝገለፁ ረዳኢ በርሀ (ዶ.ር) እቲ ሕቶ ፤ ናይ ኢንቨስትመንትን ካልኦትን ሕቶታት መሬት ተወሲኹዎ ልዕሊ ዓቕሚ መሬት ከተማ መቐለ ምዃኑ ሓቢሮም። እንተኾነ ግና ሕዚ እውን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ብምዃን መፍትሕታት ይረኣዮ ከምዘለው ኣረጋጊፆም።

ፀጥታ ውሕስ ንምግባር ኣብ ዝካየዱ ምንቅስቃሳት ገለ ኣመራርሓታት ብናይ ባዕሎም ድልየትን ብሙሉእነት ናብ ስራሕ ክኣትው ብዘይምኽኣሎምን ፀገም ፀጥታ ይፍጠሩ ከም ዘለው ገሊፆም።

ኣብ መንጎ ኣካላት ፀጥታን ህዝብን ዝነበረ ዝምድና ብምልሕልሑ ቅድሚ ሕዚ እውን ተሰሚዖም ዘይፈልጡ ገበናት ክትራን፣ስርቂን ካልኦትን ክፍፀሙ ከም ዝኽኣሉ ኣመላኺቶም ። ነዚ ፀገም ንምፍታሕ ተዋዲድካ ንምስራሕ ይፅዓር ኣሎ ኢሎም።

#ሰምሃል መኮነን