መቐለ፥መስከረም 20/2018 ዓ.ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)
ቤት ምኽሪ ከተማ መቐለ 4ይ ዘመን መበል 37 ስሩዕ ጉባኤኡ ይሳልጥ ኣሎ።
ኣብቲ ጉባኤ ፀጥታ ከተማ መቐለ ውሕስ ንምግባር ኣብ ዝግበር ዘሎ ፃዕሪ ህዝቢ ኣዋዲዲካ ኣብ ምስራሕ ጎዶሎታት ከም ዘለዉ ከንቲባ ከተማ መቐለ ረዳኢ በርሀ (ዶ.ር) ገሊፆም።
ከንቲባ ረዳኢ በርሀ (ዶ.ር) ነቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዝቅረብዋ ፀብፃብ ኣብ 2017 ዓ.ም. ንልዕሊ 14 ሽሕ መናእሰይ ከተማ መቐለ ዕድል ስራሕ ከም ዝተፈጠረ ገሊፆም ።
ኣብ ስራሕቲ ከተማ ሕርሻ ዘድልዩ ቀረባት ብምምላእ ዝሓሸ ውፅኢት ንምርካብ ኣብ ዝተተሓዘ ትልሚ ዘሓሹ ኣፈፃፅማ ከም ዝተረኸቡ እዉን ገሊፆም።
ኣብ መሓውር ፀጥታ ቐንጠብጠብ ምእታውን ተኣማንነት ምጉዳልን ከም ዝነበሩ እውን ሓቢሮም ።
ኣብ ህንፀት መሰረት ልምዓት ኣስፓልትታ፣ ኣብ ዝተቐመጠሉ ግዘ ንምዝዛምን ዝርገሐ መብራህቲን ማይን ተበፃሒ ንምግባር ከም ዝተሰርሐ እውን ገሊፆም።
ኣፈ-ጉባኤ ቤት ምኽሪ ከተማ መቐለ ወ/ሮ ራሕማ ዓብደልቃድር ኣብ ሕሉፍ ዓመት ዝነበሩ ክፍተታት ብምእራም ግልፅነትን ተሓታትነትን ብምርግጋፅ ህዝቢ ተረባሒ ዝገብሩ ስራሕቲ ንምፍፃም ከም ዝስራሕ ገሊፀን።
እቲ ጉባኤተኛ ዛጊድ ፀብፃብ ቤት ምኽሪ ከተማ መቐለ፣ ኣፈፃፅማ መደባት 2017 ዓ.ም. ዝረኣየ እቲ ቤት ምኽሪ ቐፂሉ ፀብፃብ ማእኸላይ ቤት ፍርዲ ከተማ መቐለ ክርእን በጀት 2018 ዓ.ም. ከፅድቅን ትፅቢት ይግበረሉ።
ብመሰረት ሕቶ ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ድማ ኣብ ጉዳይ ት.እ.ም.ት ክዝቲ እዩ ።