Home ዜና ፃዊዒት ፀሎተ ምህለላን ፆመ ሱባኤን ትግራይ

ፃዊዒት ፀሎተ ምህለላን ፆመ ሱባኤን ትግራይ

1626
0

4 ዋዕላ መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ላዕለዋይ ቤተ ክህነት ትግራይ ካብ ባሕቲ ነሓሰ ጀሚሩ ኣብ መላእ ትግራይ ፀሎትን ምህለላን ክካይድ ወሲኑ፡፡

ኣብ ጥንታዊትን ታሪኻዊትን ከተማ ኣኽሱም ካብ 27 ክሳብ 28 ሓምለ 2014 ዓ/ም መበል 4 ዋዕላ ዘካየዱ ብፁዓን ሊቃነ ጳጳሳት ኣፈፀምቲ ስራሕን ሊቃውንቲ ጉባኤን  መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ትግራይ ዝተፈላለዩ ውሳነታት ብምትሕላፍ ተፈፂሙ፡፡

ካብቶም ዝሓለፉ ዓበይቲ ውሳነታት ካብ 1 ነሓሰ 2014 ዓ/ም ጀሚሩ ንዝቕፅሉ ክልተ ሰሙን ኣብ መላእ ትግራይ ፀሎተ ምህለላን ፆመ ሱባኤን ዘካየድ ምዃኑን ናይ መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ላዕለዋይ ቤተ ክህነት ትግራይ ብፁዓን ሊቃነ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ ብፁዕ ኣቡነ ኢሳያስ ብፁዕ ኣቡነ መርሃ ክርስቶስን ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስን ኣብ ዝሃብዎ ሓባራዊ መግለፂ ኣፍሊጦም ፡፡

ከምኡ እውን ብሰንኪ ዘጋጠም ጥዕናዊ ፀገም ካብ ሃገር ወፅዮም ኣብ ሃገረ ኣሜሪካ ሕክምናዊ ክትትል ዝገብሩ ንዘለው ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ቀዳማዊ ፓትርያርክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ ሊቀ ጳጳስ ዘኣኽሱም ፈጣሪ ምሉእ ጥዕና ንክህቦም፣ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዝርከብ ኩሉ ትግራዋይ ኣብ ፀሎትን ምህለልኡን ክዝኽሮም ፃዊዒት ቀሪቡ፡፡

እቲ ሕዚ ኣብ መላእ ትግራይ ዝካየድ ፀሎተ ምህለላን ፆመ ሱባኤን ድማ ትንሳኤ ትግራይ ዘበስር፣ ተቀላቂሉ ንዘሎ ዘተ ሰላም ዝሕግዝን ሕሰም መከራ ህዝብና ዘሕፅርን ምህለላ ክኸውን ትምኒቶም ምዃኑ እቶም ላዕለዎት መራሕቲ ሃይማኖት ኣፍሊጦም፡፡

ብፀጋይ መኮነን

Previous articleዝቐፀለ ጀኖሳይድ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዞባ ምዕራብ ትግራይ
Next articleበዓል ኣሸንዳ 2014 ዓ/ም ብድምቀት ንምኽባር ምድላው ይግበር ኣሎ፡፡