Home ዜና ፋሽስታውያንን መላፍንቶምን ዝፈፀምዎ ገበን ኣንፃር ሰብኣውነት

ፋሽስታውያንን መላፍንቶምን ዝፈፀምዎ ገበን ኣንፃር ሰብኣውነት

1065
0

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ሂዩማን ራይትስዎችን ብዘውፅእዎ ፀብፃብ ሰራዊት ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ፣ ገበቲ ሓይሊታት ኣምሓራን ሰራዊት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ንምእማኖም ዘፀግሙ ጀኖሳይድምፅራይ ዘርኢን ገበን ኣንፃር ሰብኣዊነትን ከምዝተፈፀመ ምርግጋፁ ንመዓልቲ ጥዕና ዓለም ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፀእዎ ሓበራዊ ፀብፃብ ዕላዊ ጌሮም፡፡

ተሓላቂት ሰብኣዊ መሰል ላቲሻ ባዳር ሓድሽ ኣብ ባይታ ዝተረኸበ ፀብፃብ ብገበቲ ሓይሊታት ኣምሓራን ብኣማሓደርቲ ኣምሓራን ምጥፋእ ህዝቢ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ከምዝተፈፀመ ሪፖርት ወፂኡ ክትብል ገሊፃ፡፡

ከምዝፍለጥ ሲኤንኤን እቲ ሐዚ ብኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ሂዩማን ራይትስዎችን ዝወፀ ፀብፃብ ቅድም ክብል ሲኤንኤን ብዝሓለፈ ዓመት ለካቲት 2/2013 ዓ/ም ኣብ ዘውፀኦ ሕታሙ ዋና ፀሓፊ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን እውን ኣብ ነበርቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ገበን ምፅራይ ዘርኢ ተፈፂሙ ክኸውን ይኽእል እዩ ኢሎም ምንባሮም ይዝከር፡፡

ነዚ ስዒቡ ላዕለወይቲ ሓላፊት ሰብኣዊ ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት ሚሼል ባችሌት ዘይሻራዊ መፃረይ ኮሚቴ ክጣየሽ ይግባእ ምባለን ይዝከር፡፡ድሕሪ ሓደ ዓመት ፀብፃብ ሲኤንኤን ሎሚ ብኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ሂዩማን ራይትስዎችን ኣብ ባይታ እቶም ልፍንታውያን ሓይልታት ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ገበን ኲናት ገበን ኣንፃር ሰብኣውነትን ጀኖሳይድን ምፍፃሞም ዘርእይ ፀብፃብ ወፂኡ ኣሎ፡፡

ሂዩማን ራይትስዎችን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ብጥምረት ዘውፅእዎ ፀብፃብ ከምዝሓበርዎ ሰራዊት ፋሽስቲ ኣብይ ኣሕመድ እውን ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ምዕራብ ትግራይ ገበን ኲናት ከምዝፈፀሙን ወታደራዊ ዕላማ ብዘይፈሊ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ሰባት ደብዳባት ምክያዶምን ሃፍትን ጥሪትን ምዝማቶምን ከምኡውን ሰራዊት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ እውን ጅምላዊ ቅትለትን ማእሰርትን ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ከምዝፈፀሙ ከምዝተረጋገፀ ላቲሻ ባደር ገሊፃ፡ነዚ ፀብፃብ ስዒቡ ሴት ማንዴል ዝተብሃለ ተጣባቂ ሰብኣዊ መሰል ብወገኑ ኣብ ግራሚ ኣዋርድ ብዙም ኮንፈረንስ ክከታተሉ ኣይኽኣሉን እንታይ ደኣ? ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ከጥፍእዎ ብዝደልዩ ሓይልታት ምኽባቦም እዩ ንቡር ሓቂ ክብል ገሊፅዎ ኣሎ፡፡

ብወይኣንተ ብዙነህ

Previous articleምርኢት ፍርያት ሕርሻ መቐለ
Next articleእዋናዊ መግለፂ መንግስቲ ትግራይ