Home ዜና
970

መግለፂ ማእኸላይ ኮሚቴ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)
—-
ማእኸላይ ኮሚቴ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ንኣስታት ሓደ ሰሙን ኣብ ህልው ኩነታት ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልስሲ፣ ውሽጣዊ ኩነታት እቲ ውድብን ኣመራርሕኡን፣ መደባት ጊዝያዊም ምሕዳርን ኣንፈታት ቀፃሊ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልስናን ኣድሂቡ ዓሚቕ ዘተ ከም ዘሳለጠ ኣብ ዘውፀኦ መግለፁ ኣፍሊጡ፡፡

ህዝቢ ትግራይ ሃለዋቱን ድሕንነቱን ንምውሓስ ብውሽጥን ብደገን ዘለውዎ ዓቕምታት ኣዋዲዱ ብሓድነት ብምቅላሱን ብዝኸፈሎ መሪር መስዋእትን ብልፍንታውያን ሓይልታት ኣብ ልዕሊኡ ዝተኸፈተ ናይ ፅንተት ኲናት መኪቱ ኣብ መወዳእታ ብፖሊቲካዊ ልዝብ መዕለቢ ንክረክብ ዕድል ኣብ ዝኸፈተ ምዕራፍ ቃልሲ ኣብፂሑዎ ከም ዝርከብ ሓቢሩ፡፡

ብስምምዕ ፕሪቶርያ ተፃብኦ ደው ብምባሉ ምኽንያት ህዝብና ተነፃፃሪ ሰላም ክረክብን ናይ ተዂሲ ድምፂ ዘይሰምዐሉ ኩነታት ክፍጠርን ኪኢሉ እዩ ዝበለ መግለፂ ህወሓት ነዚ ስዒቡ ከም ባንኪ፣ቴሌ፣መብራህቲ፣ ናይ ሰማይን ብኽፋል ድማ ናይ ምድሪ መጓዓዝያ ዝመሳሰሉ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ክጅምሩን ንዘላቒ ሰላም ዕድል ክኸፍትን ምኽኣሉ ገሊፁ።

ይኹን እምበር ሕዚ እውን ስምምዕነት ፕሪቶርያ መሊኡ ብዘይምትግባሩ ህዝቢ ትግራይ ገሊኡ ኣብ መዕቖቢታት፣ ኣብ ስደት፣ ካብ ወረርቲ ሓራ ዘይወፀ፣ ገሊኡ ድማ ኣብትሕቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ
ተመቓቒሉ ሕዚ’ውን ንዝተፈላለዩ ሓደጋታት ፅንተት ተቓሊዑ ይርከብ ዝበለ መግለፂ ህወሓት ብፍላይ ካብ ወረርቲ ሓይለታት ሓራ ዘይወፀ ህዝብና ክሳብ ሕዚ ኣብ ከቢድ ዓፀቦ ይርከብ ኢሉ፡፡

በዚ ምኽንያት እውን ብሄራዊ መንነቱ መሰረት ዝገበሩ መቕተልቲ፣ መጭወይቲ፣ዓመፃት፣ ውራ ንብረታትን ሃፍቲ እንስሳን፣ስእነት መሰረታዊ መንግስታዊ ግልጋሎታትን ማእለያ ዘይብሎም ግፍዕታት ይፍፀምሉ ኣለው ጥራሕ ዘይኮነስ መንነቱ ንክቕይር እውን ዝተዋደደ ጥቕዓት ይበፅሖ ከም ዘሎ ህወሓት ኣብ መግለፂኡ ኣፍሊጡ፡፡

ዝተፈናቐለ ህዝቢ ናብ መረበቱ ዘይምለሰሉ፣ መሰረታዊ ጠለባት ዘይረኽበሉ ብቓላት ክትገልፆ ዝኸብድ
መስካሕክሒ ፍዳ የሕልፍ ምህላው ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ይግንዘብ ኢሉ፡፡ 

ስምምዕ ፕሪቶሪያ ብሙሉእነት ዘይምትግባሩ ህዝብና ኣብ ዓብይ ሽግር ወዲቑ ከም ዝርከብ ዝገለፀ መግለፂ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ነዚ ንምፍታሕ ኣብቲ ስምምዕ ዝተቐመጡ ውዕላት ብዘይምሽርራፍ ክትግበሩን ቀፀልቲ ፖሊቲካዊ ዘተ ክካየድን ምስ ፌደራል መንግስቲ ብቐረባ ምስራሕ ከምዝግባእ ኣፅንኦት ሂቡ ዘትዩሉ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ህልው ኩነታት ምምሕዳርና ንምርግጋፅ ሰላም፥ፍትሕን ድሕንነትን ህዝብናን እውን ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ብቐንዱ ድማ ኣብ ውሽጥና ብዘሎ ናይ መሪሕነትን ምሕደራናን ድኽመታት ኣብ ሕማቕ ብርኪ
ይርከብ እውን ኢሉ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት፡፡

ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ኣጠቓላሊ ህልው ኩነታትን ከይዲ ኣፈፃፅማ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልስን፣ኣብ ውሽጢ
እቲ ውድብ ዘለው ድኽመታትን ቀፀልቲ ውድባውን መንግስታውን ናይ መደብ ኣንፈታትን ብምዝታይ እዞም
ዝስዕቡ ውሳነታት ኣሕሊፉ ኣሎ፤
ውሳነታት:-

1.ውድብ ህወሓትን ኣመራርሕኡን ኣብ ውሽጡ ዝነበረ መሰረታዊ ናይ ኣመራርሓ ጉድለትን እዚ ዘስዓቦ
ሓደጋን ገምጊሙን ፈቲሹን ኣብ ምርድዳእ ከም ዝበፀሐን ጀሚርዎ ዘሎ ውሽጣዊ ኩነታቱ ናይ ምፍታሽን
ሓድነቱ ናይምጥንኻርን ስራሕቲ ብምቕፃል ኣብ መስመራቱ፣ ፕሮግራማቱ፣ገምጋም ብሄራዊ
መኸተን ቀፃሊ ኣንፈት ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልስን ፈቲሹ እቲ ውድብ መድረኻዊ ተልእኹኡ
ዘብቅዕ ዘድሊ ምትዕርራይ ክገብር ወሲኑ።

2.ኣብዚ እዋን እዚ ንህዝብና ዘማርሩ ዘለው ፀገማት ንምፍታሕን ዘኽፍኡ ሕመቓት ንምእላይን
ብትኹረት ክስርሐሉ እዩ። ብዚመንፅር መሪሕነት ህወሓት ሓድነቱ ብምድልዳል ካብ ዝኾነ እዋን
ንላዕሊ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ዝርአ ዘሎ ስእነት ምዕሩይ ምሕደራን ፍትሕን ክቃለልን ብዝተፈላለየ
መልክዕን ደረጃን ዝግለፅ ግዕዝይና ንሓደግኡ ዝምጥን ቃልሲ ክግበረሉን ንቀንዲ ፍልፍል ግዕዝይና
ብዘድርቕ ክፍፀም፥ ተሓታታይነት ክሰፍንን ልዕልና ሕጊ ክረጋገፅን ርብርብ ክግበረሉ ወሲኑ።

3.ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝተጣየሸ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክሳብ ሕዚ ዝተርኣዩ ፀገማት
ብምፍታሕ፥ ብኹሉመዳይ ክጠናኸር፣ ኣብ ዙርያ መደባት ጊዝያዊ ምምሕዳር ኩሉ ኣመራርሓን
ኣባልን ክዓስልን ተሳትፎ ህዝቢ ብስፍሓት ክረጋገፅን ወሲኑ።

4.ከይዲ ሰላምና ኣብ ፅኑዕ መሰረት ክቕመጥ ክድልድልን ስምምዕ ፕሪቶሪያ ብሙልእነት ንክትግበር
ክሳብ ሕዚ ዝተረኸበ ውፅኢት ከም ዘለዎ ኮይኑ ፌደራል መንግስቲን ኣብ ከይዲ ልዝብ ተራ ዝነበሮም
ኣካላትን ግቡኦም ንክዋፅኡ ዘኽእልን ዝቐፀለ ስቓይ ህዝብና ደው ዘብልን ዝተወደበ መሪሕነት
ዝዓርፈሉ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ክግበር፤ ሓራ ዘይወፀ ህዝብና ብቕልጡፍ ሓራ ዘውፅእ ኣድላዪ
ስራሕ ክስራሕ፣ ተፈናቒሉ ኣብ መዕቖብታት ዘሎ ህዝብና ናብ መረበቱ ተመሊሱ ንቡር መነባብርኡ
ክመርሕ ክግበር፣ ተሓታትነት ክረጋገፅን ህዝብና ጉድኣቱ ዝድብስ ካሕሳ ዝረኽበሉ ቃልሲ ክካየድን፣
ፖለቲካዊ ዘተ ብህፁፅ ተጠናኺሩ ክጅመርን ትካላዊ ብዝኾነን ብዝተወደበን መንገዲ ክምራሕን
ተወሲኑ ኣሎ፡፡

5.ሃለዋት ውድብ ህወሓት ብቐንዱ ብህዝቢ ትግራይ ዝውሰን እኳ እንተኾነ ብመሰረት ስምምዕ
ፕሪቶሪያ ተላዘብቲ ኣካላት ነንሕድሕዶም ኣፍልጦ ከምዝተውሃሃቡ ግልፂ እዩ።እንተኾነ ግና
ንውሳነ ቤትምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብዝፃረር መንገዲ ህወሓት ዝነበሮ ሕጋዊ ሰብነት ሒዙ
ከይቕፅል ብምግባር ህዝብና ሰኣን መሪሕነት ናብ ተወሳኺ ጥፍኣት ክወድቕ ዝግበር ዘሎ ምንቅስቓስ
ደው ኢሉ ብስምምዕ ፕሪቶሪያ ዝተጀመረ ከይዲ ሰላም ዓሚቑን ደልዲሉን ንክቕፅል ኣድላዪ
ዝብሃል ስራሕ ኩሉ ክዕመም፣ ሕጋዊ ሰብነት ህወሓት ብህፁፅ ክምለስን ጥቡቕ ክትትልክግበረሉን
ብፖለቲካዊ ልዝብ ክፍታሕን ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ወሲኑ ኣሎ፡፡

6.ንዕንወት ትግራይ ዝምጥን በጀት ክምደብ፣ ንዋታዊ ዓቕሚ ትግራይ ዘጎልብቱን ፀገማት ህዝብና
ዘቃልሉን ስራሕቲ ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ብዘይውዓል-ሕደር ክጅመሩን ናይ ርብርብ ማእኸል
ክኾኑን ወሲኑ ኣሎ፣

7.ምንጪ ብሄራዊ ኩርዓትናን ጀግንነትናን ዝኾንኩም ስድራ ስውኣትናን ጉዱኣት ኲናትን ግዳይ
ፆታዊ ጥቕዓት ዝኾንክን ደቂ ኣንስትዮን ትግራይ፤ ብዝኸፈልኩሞ መስዋእትን ከቢድ ዋጋን ተነፃፃሪ
ሰላም ብምርካብና ብኣኹም ንሕበን። ከም ውፅኢት ናይቲ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ዝኸፍአ ከርፋሕ
ናብራ ተሕልፉ ከምዘለኹም እውን ውድብ ዝግንዘብ ኮይኑ ክቡር መስዋእትነት ደቅኹም ብዕሊ
ከም ዝግለፅን ቀፃሊ ድጋፍ ከምዝገብሩልኩምን ውድብ ኣብ ጎንኹም ከምዘሎን የረጋግፀልኩም።

8.ብመንነቶም ጥራሕ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዘለው ተጋሩ ንክፍትሑን ዝተበደሉ ተጋሩ ፍትሒ ንክረኽቡን
ካብቲ ክካይድ ዝፀንሐ ብዝተጠናኸረ መንገዲ ኩሉ ዓይነት ዝተወደበ ሰላማዊ ቃልሲ ክግበርወሲኑ
ኣሎ፣ ኢሉ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ኣብ መግለፂኡ።

ፃውዒት ንመድረኻዊ ሰላማዊ ቃልሲ፤

1.ኣመራርሓን ኣባላትን ህወሓት ህዝብኹም ንምድሓን እናተቓለስኩምን ኩሉ ዓይነት መስዋእትነት
እናኸፈልኩም መፂኹምን ኢኹም። ውድባዊ ግቡእኹም ምፍፃም ከምዘለዎ ኮይኑ፤ሕዚ እውን
ህዝብኹም ንምድሓንን ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ብዓወት ናብ ቀፃሊ ምዕራፍ
ክሰጋገር ንምግባርን ሓድነትኩም ብምጥንኻር ድሕረታት፣ፀለመታት፣ህዝቢ ናብ ሓደጋ ዘውድቑ
ተግባራትን ገበናትን ብዕቱብ ክትቃለሱ ንፅውዕ፤

2.መላእ ህዝቢ ትግራይ በዓል ዋና መኸተና ብምዃን እዚ ጎዲሉ ዘይባሃሎ ኩሉ ዓይነትመስዋእቲ
ከፊልካ ኢኻ።ብምኽንያት ናይ ኣመራርሓና ጉድለትን ስምምዕነት ፕሪቶርያ ዘይምትግባሩን ሕዝ
ውን እተሕልፎ ዘለኻ ናብራ ሓሳረ-መከራን ስቓይን፤ ብፍላይ ድማ ሓራ ዘይወፀ ህዝብና ዝበፅሐካ
ዘሎ ኩለመዳያዊ ጥቕዓት ልቢ ዘድሚ እዩ፡፡ህወሓት ሕዚ እውን ከም ትማሊ ህዝቡ ንምድሓን
ዝክኣሎ ኩሉ ንምግባር ዘለዎ ቅርቡነት የረጋግፀልካ፡፡ህዝብና እውን ዝበፅሐካ ዘሎ ፀገማት ኩሉ
ተፃዊርካ ሕዚውን ከም ትማሊ ኣብ ጎኒ ውድብካ ደው ብምባል ሰላማዊ ቃልስኻ ኽተሐይል ንፅውዕ።

3.ክኽፈል ዝኽእል ዋጋ ኩሉ ከፊልካ፣ ዘለካ ናይ መነባብሮ ፀገም ተፃዊርካ ሕድሪ ስውኣት ኣብ
ምሕላው ዘለኻ ተጋዳላይን ሓይሊ ፀጥታን ትግራይ፤ ህወሓት ንተጋድሎኻን መስዋእትኻን ዘለዎ
ልዑል ኣኽብሮት እናገለፀ ሸኽምኻ ንኽቃለል ክገብሮ ዝግባእ ድጋፍ ካብ ምግባር ንድሕሪት ከም
ዘይብል የረጋግፀልካ፡ ንስኻ እውን ብግዝያዊ ፀገማት ከይተሰኮንካ ሓበራዊ ዕላማና ዝኾነ ሰላምን
ሃለዋትን ህዝቢ ትግራይ ናይ ምርግጋፅ ልኡኽካ ብብቕዓት ከም ትፍፅም ንተኣማመን።

4.ኣብ መላእ ዓለም ዘለኹም ደቂ ትግራይ፣ ዝተፈላለኹም ውዳበታት ተጋሩን ፈተውቲ ትግራይን
ህዝብኹም ካብ ጥፍኣት ከይድሓነ ቀሲንኩም ክትውዕሉ/ክትሓድሩ ከምዘይትኽእሉ ዓለም ሙሉእ
ዝፈለጦ ሓቂ እዩ፡፡ሕዚ እውን እንተኾነ ኣብ ከይዲ ቃልሲ ዘጋጥም ውፃእ/ውረድ ከየሐንኮለኩም
ወገንኩም ንምድሓን ኩለ መዳያዊ ሰላማዊ ቃልስኹም ኣበርቲዕኹም ክትቅፅልሉ ንፅውዕ፡፡

ሓራ ዘይወፀ ህዝብኹም ነፃ ንክወፅእ፣ ዝተፈናቐለ ወገንኩም ህፁፅ ሓገዝ ክረክብን ናብ መረበቱ
ክምለስን፣ ስራሕቲ ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ንክቀላጠፉ፣ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ንክፍፀምን
ተሓታትነት ንኽረጋገፅን ሎሚ እውን ከምትማሊ ዝክኣለኩም ኩሉ ክትገብሩ ንፅውዕ፤

5.ንህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን፣ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ኣብ መላእ ኢትዮጵያን ከባቢናን
ሰላምን ክሰፍን ዘለዎ ባህጊ እናገለፀን ምስ ኩሎም ህዝብታት ብሰላም ሓቢሩን ክነብር ዘለዎ ድሌት
ደጊሙ እናዘኻኸረን ሕዚ እውን ንሰላም ሓቢርና ክንሰርሕ ደጊሙ ይፅውዕ።

6.ፌደራል መንግስቲ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ብዘይ ምሽርራፍ ክትግብርን ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ
ኢትዮጵያ ሓራ ዘይወፀን ዝተፈናቐለን ህዝብና ብህፁፅ ናብ መረበቱ ክምለስን ዝኣተዎ ውዕል
ከኽብርን ከምኡ እውን ዝተጀመረ መንገዲ ሰላም ክዓሙቕን ምትእምማን ዝያዳ ክጉልብትን ዘኽእሉ
ስራሕቲ ክፍፅምን ንፅውዕ፤ ህወሓት ነዚ ኣብ ምፍፃም ዘጋጥሙ ዕንቅፋታት ኣብ ምፍታሕ ሓቢሩ
ክሰርሕ ድልውነቱ የረጋግፅ።

7.ማሕበረሰብ ዓለም ጉዳይ ትግራይ ብተደጋጋሚ ኣጀንድኡ ጌሩ ብምዝታይ ሰላም ክመፅእን ስምምዕ
ፕሪቶርያ ክፍረምን ዝገበርኩሞ ፃዕሪ እናመስገና ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ ተሓታታይነት ንኽረጋገፅ
ዝሕግዝ ብዓለምለኸ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ናይ ሰብ ሞያ መፃረይ ጉጅለ ዝወፀመ ግለፂ ንድግፍ።

ስርሑ ብኣግባቡ ንምምላእ ድማ ናይ ስራሕ ግዚኡ ክናዋሕ ንፅውዕ፣ ብተመሳሳሊ ኣብ ሰብኣዊ
ሓገዝን ዳግመ ህንፀትን እትገብርዎ ድጋፋት ኣጠናኺርኩም ብምቕፃል ሕዚ እውን ኣብ ልዕሊ
ተጋሩ ዝበፅሕ ዘሎ ጉድኣትን ብርሰትን ደው ንክብል፣ ተሓታትነት ንክረጋገፅን ስምምዕ ፕሪቶሪያ
መሊኡ ንክትግበርን ዓለምለኻዊ ግቡእኹም ክትዋፅኡ ፃውዒትና ነቕርብ፡፡

ህወሓት እናተሃደሰ ንቕድሚት ዝምርሽ ውድብ እዩ!!

ዘለኣለማዊ ክብርን ሞገስን ንስውኣትና!

ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት

13 መስከረም 2016 ዓ/ም

መቐለ፣ ትግራይ